ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ መሰረታዊ ድላየት ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ጥዕና ፣ ህንፀት ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ምትእትታው ትግራይ ይንቨርስቲን ዘሕሸ ወለዶ ኣብ ምህናፅን ዝዓብየ ዕማም ሒዛ ትንቀሳቐስ ዘላ ትካል እያ። ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ምሕጋዝ መፅኢት ዘሕሸት ትግራይ ንምህናፅ ስለዝኾነ ካብ ድኸነት ተናጊፉ ንዝሕሽ ቴክኖሎጅን ምዕባለን ዝነጥፍ ወለዶ ንምፍራይ ንረባረብ።