Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 166

Who's Online

We have 8 guests and no members online

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ስሙር ግንባር ብምፍጣር ተምሃሮ ኣብ እዋን ቁልዕነቶም ናይ ምፅሓፍን ምንባብን ክእለቶም ክዓቢ፣ ኣብ ማሕበረሰብና ዘሎ ዓቕሚ ምንባብን ምፅሓፍን ንምዕባይን ክጉልበትን ትንቀሳቐስ ኣላ።

ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ገፀር ወረዳ ጣንቋ ኣበርገለ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣይነግባ፣ ታጌትን ባምባን መፂኦም ዝምሃሩ 1000 ተምሃሮ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዝኦም ኣብ ዝምለስሉ እዋን ስኣን ቀረብ መብራህቲ ክህሉ ዝኽእል ክፍተት መፅናዕቲን ነዚ ስዒቡ ክመፅእ ዝኽእል ምትሓት ውፅኢት ንምቕራፍ ዓሊማ ብምንቅስቓስ ካብ ፕሮጀክት The little lamp ዝተረኸባ ብፅሓይ ዝሰርሓ መብራህቲ ሓገዝ ሂባ።

 ሰሰን ሞላ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣነይግባ ሻብዓይ ክፍሊ ትምሃር፤ ተምሃራይ ሓዱሽ ገብረሚካኤል ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ታጌት ሻብዓይ ክፍሊ ዝምሃር እዩ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝምሃሩ ተምሃሮ ኣብ ቅድሚት ብምስርዖም ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሓገዝ ዝተውሃቦም ብፅሓይ ዝሰርሕ መብራህቲ The Litte Sun ብቐዳምነት ዝተውሃቦም ‘ዮም።

ከም መብርሂ እቶም ተምሃሮ ኣብዚ እዋን ካብ ቀትሪ ወፃኢ ምሸት ከፅንዕሉ ዝኽእሉ ብላምባ(ብቕራረት)ብምንባሩ ብኣግባቡ ከፅንዑ ዘይክእሉሉ ባይታ ከም ዝነበረ ብምግላፅ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተውሃቦም ሓገዝ ብፅሓይ ዝሰርሕ መብራህቲ ግና ንዘለዎም ፀገም ብኣግባቡ ሪኡ ዝፈትሐ ብምዃኑ ቀትርን ለይትን ብምፅናዕን ብውፅኢቶም ፀብለልታ ብምርኣይን ብብርኪ ክልል፣ ሃገር ኢሉ ‘ውን ዓለም ምስ ዘለው ዜጋታት ንምውድዳር ዘኽእሎም ፍልጠት ንምርካብ ፃዕሮም ከምዘሐይሉን በዚ ኣቢሎም ንማልት ከም ዝኽሕሱዋን ገሊፆም።

ቀሺ ሸዊት ወልደገብርኤልን መብራህቱ ሃይሉን ብወገኖም እቲ ዝተውሃበ ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ደቆም ዝነበረ ፀገም ዝኣሊ ብምዃኑ ነቲ ንብረት ብምክንኻንን ንዝተዓለመሉ ዕላማ ክውዕል ብምግባርን፣ ደቆም ብኣግባቡ ከፅንዑ ኣድላይ ዘበለ ክትትልን ደገፍን ብምክያድን ብትምህርቶም ንፉዓት ዝኾኑሉ ባይታ ንምፍጣር ፃዕሮም ከምዘሐይሉን ብምግላፅ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንዝገበረትልና ወገናዊ ደገፍ ዘለና ክብሪ ዝለዓለ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ወረዳ መምህር ገብሩ ወልደገብርኤል ብወገኖም፤ ፅሬት ትምህርቲ ዝመሓየሽ መንግስቲ በይኑ ብዝሰርሖም ስራሕቲ ጥራሕ ስለዘይኮነ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፅሬት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናወገነትልና መፂኣ እያ። ሕዚ ድማ ተምሃሮና ብኣግባቡ ዘንብብሉ ባይታ ብምፍጣር ፍልጠቶም ክእለቶምን ንክዓቢ ንኡሽተይ ፅሓይ ዝብል ስያመ ዝተውሃባ ብብርሃን ፀሓይ እትሰርሕ መብራህቲ ክረኽቡ ምግባራ ናእዳና ዝለዓለ እዩ ኢሎም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ዝፈፀመቶም ዓበይቲ ዓወታት ሰብኣዊ ሓይልና ኣብ ምዕባይ ዓሊማ ብምንቅስቃሳ ‘ውን ፕሮጀክት ማሕበረሰብ ተኮር ምዕባይ ክእለት ንባብ ብቁልዕነት ኣድሂባ ትሰርሕ ኣላ ሕዚ ድማ ተምሃሮ ኣብ እዋን ምሸት መብራህቲ ክረክቡ ብምዕላም ኣብዚ ዓመት ን 1000  ተምሃሮ ብፀሓይ እትሰርሕ ንእሸተይ መብራህቲ ሓገዝ ኣበርኪታ ኣላ ዝበሉ ድማ ኣብቲ ቦታ ተረኪቦም ነተን ኣብያተ ትምህርቲ ዘረከቡ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ልምዓታዊ ፕሮግራማት እታ ማሕበር ኣይተ ንጉስ ከበዶም ‘ዮም።

እዘን ሐዚ ተዓዲለን ዘለዋ ብፅሓይ ዝሰርሓ መብራህቲ ኣብ ውፅኢት ተምሃሮ ርኡይ ኣበርክቶ ንክህልወን ካብ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብሓገዝ ዝተረከባ ብፅሓይ ዝሰርሓ መብራህትታት ካብ ሓምሻይ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ንዝምሃሩ ተምሃሮ ተበርኪተን ኣለዋ። እዚ ሓገዝ ኣብ ውፅኢት ተምሃሮ ዘምፀኦ ምዕባለ ተራእዩ ዝቅፅልን ከምዝኾነ ንዕውትነት እቲ ፕሮጀክት ወለድን ተምሃሮን ነተን መብራህቲ ግቡእ ክንክን ክገብሩለን ይግባእ ክብሉ ኣይተ ንጉስ ከበዶም ኣገንዚቦም።

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms