Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 144

Who's Online

We have 85 guests and no members online

ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ትግራይን ነባርነቶም ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝኾኑ ተወላዲ ከተማ ኣኽሱም ኣይተ መኮነን ኣለማዮህን ብ 4.2 ሚልዮን ብር ወፃኢ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝተሃነፀ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወይዘሮ ጣጡስ 23 ጉንበት 2008 ዓ/ም ተመሪቑ ንነበርቲ እቲ ከተማ ተረኪቡ።

ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጐስ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝበልዎ ማ.ል.ት ካብ ድሕረትን ድኽነትን ዝተናገፈት ትግራይ ጋህዲ ንምግባር ዓሊማ ቅድሚ ሓደ ርብዒ ክፍለ ዘመን ካብ ትጣየሽ ንነዘ ምስ መንግስትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ብምትሕብባር ኣብ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ማእኸል ገይራ እናሰርሐት ከምዘላ ሓቢሮም። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዕሊ ተመሪቑ ንምምሕዳር ከተማ ኣኽሱም ዝተመሓላለፈ ቤት ትምህርቲ ተወላዲ ከተማ ኣኽሱም ዝኾኑ ኣይተ መኮነን ኣለማዮህን ስድርኦምን ምስ ማ.ል.ት ብምትሕብባር ከምዝተሰርሐ ድሕሪ ምሕባር እቲ ቤት ትምህርቲ ንቐፃሊ ሃገሮም ዝሃንፁን ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝተደገፉን ንፉዓትን ተምሃሮ ክወፁ ኣብ ምግባር ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።

ኣጠቓላሊ ወፃኢ እቲ ቤት ትምህርቲ ንዝተገበረ ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ሓዊሱ 4.2 ሚልዮን ብር ከምዝኾነ ዝሓበሩ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማ.ል.ት ዶክተር ታደለ ሓጐስ ካብዚ እቲ 3.6 ሚልዮን ብር ብኣይተ መኮነን ኣለማዮህን ስድርኦምን ከምዝተሸፈነ ወሲኾም ኣብሪሆም።

ሸሞንተ መምሃሪ ክፍልታት ዘለዎ ክልተ ህንፃ፣ ንምምሕዳራዊ ግልጋሎት ዝውዕል ሓደ ህንፃ፣ ንክልትኡ ፆታ ዘማእኸለ ሽቓቕን ቤተ መፃሕፍትን ብነፃ ሰሪሖም ንተጠቀምቲ ብምርካቦምን መፀወዒ እቲ ቤት ትምህርቲ ብሽም ወላዲቶም ወይዘሮ ጣጡስ ብምስያሙን ዝለዓለ ታሕጓስ ከምዝተሰመዖም ዝገለፁ ኣይተ መኮነን ኣለማዮህ እቲ ቤት ትምህርቲ ንፉዓት ተምሃሮ ዝፈርይሉን ሞዴል ኮይኑ ንካልኦት መርኣያ ክኸውን ከምዘለዎን ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ምክትል ከንቲባ ምምሕደር ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ካሕሳይ ግደይ ብወገኖም ውላድ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነት ማሕበር ልምዓት ትግራይ መንግስቲ ዝሓዞ ቓልሲ ፀረ ድኽነት ንምጉህሃር ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ሰብ ሃፍትን ፈተውቲ ዓዶምን እናተሓባበረት ብፍላይ ኣብ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ምስፍሕፋሕ ኣብያተ ትምህርትን እተሳልጦም ዘላ ስራሕቲ ድሕሪ ምንኣድ ዝጐደሉ ናውቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ብቐፃልነት እናተኸታተሉ ብምምላእ ዝሓሸን ተወዳዳራይን ንክኸውን ምምሕዳር ከተማ ኣኽሱም ኣበርቲዑ ከምዝሰርሓሉ ገሊፆም።

 Click here to see more photos...

 

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms