ኣብቲ ስነ ስርዓት ተረኺቦም ሪቫን ብምቑራፅ ዝመረቑዎ ክቡር ኣይተ ፍስሃ ዘሪሁን ከንቲባ ከተማ መቐለን ወናኒ ዳሉል ፋብሪካ ውፅኢት እምኒን ስሚንቶን ኣይተ ገ/ስላሰ ኣስገዶምን ብሓባር እዮም፡፡
ዋና ኣማሓዳሪ ከባቢያዊ ምምሕዳር ኵሓ ኣይተ ግርማይ ተስፋይ ኣብ ምረቓ ኣብቲ እዋን’ቲ ዘስምዕዎ ዘረባ 2ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ወልዱ ንጉስ ብደብዳብ ነፈርቲ ደርጊ ዓንዩ ዝነበረ ብማልት ሕድሳት ተጌሩሉ ግልጋሎት ዝህብ ዝነበረ ቤት ት/ቲ ምዃኑ ድሕሪ ምዝካር ግዱስ ትግራዋይ በዓል ሃብቲ ኣይተ ገ/ስላሴ ኣስገዶም ፃውዒት ቴሌቶን ማልት ብምቕባልን ሃገራዊ ግቡአይ ክዋፃእ ኣለኒ ብምባልን ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ብፅፈት ኣህኒፆም ስለዘረከቡ አመስጊኖም፡፡ ንዝገበሩዎ ሓገዝ ድማ “ኣምባሳደር ልምዓት ኵሓ” ዝብል መዓረግ በቲ ከባቢያዊ ምምሕዳር ከምዝተውሃቦም ሓቢሮም፡፡
ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ፍስሃ ዘሪሁን ብወገኖም ፅበት መምሀሪ ክፍሊታት ንምቅላልን ፅሬት ት/ቲ ንምርግጋፅን ብደረጃ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ቴሌቶን ልዕሊ 21 ሚልዮን ብር ብሰብ ውልቀ ሃብቲ ቃል ከምዝተኣተወ ኣዘኻኺሮም ካብዚኦም ሓደ ኣይተ ገ/ስላሴ ኣስገዶም እንትኾኑ ብመሰረት ዝኣተውዎ ቃል ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ደረጅኡ ዝሓለወ ህንፃታት ኣስሪሖም ብምርካቦም ነቶም ልምዓታዊ በዓል ሃብቲ ብሽሞምን ብሽም ምምሕዳር ከተማ መቐለን ድሕሪ ምምስጋን ኣይተ ገ/ስላሴ ኣስገዶም ሕልፊ ገንዘብ ስለዘለዎም ዘይኮነስ ንህዝቦም ብዘለዎም ተገዳስነት መርኣያ ተግባር ምዃኖም ኣይተ ፍስሃ ወሲኾም ገሊፆም፡፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ከተማ ኵሓ ካብዘለዋ ጎደናታት ሓንቲ ብቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ምስ ፀደቐ ብሽም ኣይተ ገ/ስላሴ ኣስገዶም ከምትስየም ገሊፆም፡፡
ወናኒ ፋብሪካ ውፅኢት እምኒ ዳሎል ዝኾኑ ኣይተ ገ/ስላሴ ኣስገዶም ብወገኖም ኣሕዋትና ውሑዳት ኮይኖም ፅባሕ ኣሸሓት ክንኾን ኢና ኢሎም ብፅንዓት ተቓሊሶም ኣብዚ ሰላምን ራህዋን ኣብፂሖምና፣ ህዝብና ት/ቲ ክበፅሖ ኢሎም ዝገደፉልና ሓደራ ናብ ተግባር ክንልውጥ ሓደራን ግቡእናን ምዃኑ ገሊፆም ንቐፃሊ’ውን በላዕቲ ሕድሪ ከይንበሃል ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም፡፡
ኣብ መወዳእታ ድማ መንእሰይ ወሎዶ ኣሰር ኣያታቱ ክስዕብን ኣብ ልምዓት ክኸትትን ሓደራ ኢሎም፡፡
ንዓለምለኸ ዋና ቤት ፅሕፈት ማልት ወኪሎም ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ኣይተ ግርማይ ካሕሳይ ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ ብቴሌቶን ማልት ቃል ካብ ዝተኣተዋ ልዕሊ 35 ኣብያተ ት/ቲ ተሃኒፀን ንግልጋሎት ከምዝወዓለ ሓቢሮም፡፡ ቴሌቶን ማልት ብዝፈጠሮ መንፈስን ምልዕዓልን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ልዕል 400 ኣብያተ ት/ቲ ብምህናፅ ደቁ ካብ ዳስ ከምዘናገፈ ብምሕባር፡፡ ንልምዓታዊ በዓል ሃብቲ ኣይተ ገ/ስላሴ ኣስገዶም ብሽሞም፣ ብሽም ማልትን ብሽም ተጠቀምቲ ተምሃሮን ኣመስጊኖም፡፡
ኣብቲ በዓል ነበርቲ ከተማ ኵሓ፣ ተምሃሮ መምህራንን “ኣይተ ገ/ስላሴ ኣስገዶም ኣምባሳደር ልምዓት ኵሓ” ዝብሉን ንካልኦት ጭርሖታትን ብምጭራሕ ብባህላዊ ደርፍታትን ግጥምታትን ታሕጓሶም ገሊፆም እዮም፡፡
ንሰናይ ተግባር ኣይተ ገ/ስላሴ ኣስገዶም ካብ ህዝብን ከበባያዊ ምምሕዳር ኵሓን ዝተፈላለዩ ሽልማታት ተበርኪቶም እዮም፡፡
ኣይተ ገ/ስላሴ ካብዚ ብተወሳኺ ፃውዒት ቴሌቶን ማልት ተቐቢሎም ኣብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ንትምህርቲ ስልጠናን ቴክኒክን ሙያን(TVET) ኣብ ምህናፅ ከምዝርከቡ ዝዝከር እዩ፡፡
ኣብ ቐፅሪ 2ይ ብርኪ ወልዱ ንጉስ/ኵሓ/ ዝተሰርሐ ክልተ ብሎካት ንልዕሊ 400 ተምሃሮ ግልጋሎት ከምዝህባ ተፈሊጡ፡፡