ኣብ ቐፅሪ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተኽሊ ስውኣት ንዝተሃነፀ ላይብረሪ ዕለት 09 ለካቲት 2002 ዓ.ም ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም መሪቖም ዝኸፈቱዎ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ቢንያም ብርሃነ፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ኣይተ ነጋ በርሀ፣ ተወካሊ ማልት ኣይተ መሓሪ ሓጎስን ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዬ ወ/ሮ ሮማን ገ/ስላሰን እዬም።
ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ኣይተ ተወልደ ብርሃን ተስፋኣለም “ተወለድትን ፈተውቲ ልምዓትናን ፀገም ሕብረተሰብ ካብ ስሩ ክመሓው ደኺሙና ሰልቹይና ከይበልኩም ፍልጠትኩምን ገንዘብኩምን ብምውፋይ ዝስራሕኹሙዎ ስራሕ ኩልሻዕ ካብ ህሊና ህዝቢ ዘይርሳዕን እቲ ትካል ባዕሉ ምስክርኩም ስለዝኾነ ብስም ህዝብን ምምሕዳርን ምስጋናና እናገለፅና ብቐፃሊ’ውን ካብ ጎንና ከምዘይትፍለዩ እምነተይ’ዩ” ኢሎም።
ወካሊ ማልት ኣይተ መሓሪ ሓጎስ ሽዑ ኣብዘስምዑዎ ዘረባ “ማልት ብዘካየደቶ ቴሌቶን ካብ መንጎ ዘተሓባበረቶም ልምዓታዊ ሰብ ሃፍቲ ሓደ ብዝኾኑ ኣይተ ቢንያም ብርሃነ ንዝተሃነፀ ላይብረሪ ንምምራቕ እንኳዕ በቓዕና፤ ማልት ኣብ ዞባ ምብራቕ ብኣጠቓላሊ ኣብ ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ድማ ብፍላይ ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት ልምዓት ምክያዳን ንቕድሚት’ውን ምልምዓ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉን ገሊፆም።”
ሙሉእ ወፃኢ ብምምዳብ ነቲ ላይብረሪ ኣህኒፆም ዘረከቡ ኣይተ ቢንያም ብርሃነ ብወገኖም ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ “ሕሉፍ ስቓይን ፀገምን ቤት ትምህርቲ ተገንዚበ ዓቕመይ ዝፈቐዶ ንእሽቶይ ነገር ጌረለኹ፣ መናእሰይ ተምሃሮ ድማ ረብሓ ትምህርቲ ብግቡእ ተረዲእኹም ሃነፅትን ተረከብትን ሃገር ክትኮኑ ይግባእ፤ ብቐፃልነት ዘድሊ ነገር ኩሉ ንምምላእ ድልው እየ። ዝምልከቶ ኣካል እንተፈቒዱለይ’ውን ኣብ ከተማ ፍረወይኒ ማእኸል መሰልጠኒ ቴክኒክን ሙያን ንምቛም ቃል ይኣቱ” ድሕሪ ምባል ሸሞንተ ካርቶን መፃሕፍቲ “ፅንዓት” ኣረኪቦም።
ዋና ኣመሓደሓሪ ዞባ ምብራቕ ኣይተ ነጋ በርሀ “ ዝሓለፉ ገዛእቲ ደርቢ ይኽተሉዎ ብዝነበሩ ፖሊሲ ኣደንቁርካ ግዛእ ሕብረተሰብና ከርፋሕ ናብራ ዘሕለፈሉ እዋን ምንባሩ ብምዝኽኻር ሳላ መሪር ቃልስን መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ ይምዝገቡ ካብዘለው ዓበይቲ ዓወታት ሓደ ፅሬት ትምህርቲ ምርግጋፅ ምዃኑ ዝኣመኑ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ቢንያም ብርሃነ ንዝገበሩዎ ሰናይ ተግባር ብምንኣድ፣ መናእሰይ ተምሃሮ ሕድሪ ኣያታቶም ብልምዓት ከረጋግፁዎ ሓደራ ኢሎም።”
“ቢንያም ብርሃነ ኣቶና ላይብረሪ” ብሓደ ግዘ ከባቢ 500 ተምሃሮ ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ኣለዎ።