ኣብ ከተማ ግጀት ተረኺቦም ነታ ቤት ትምህርቲ መሪቖም ዝኸፈቱ ተወካሊ ማልት ኣይተ መሓሪ ሓጎስን ምክትል ኣማሓዳሪ ወረዳ ስሓርቲ ሳምረ ኣይተ ብርሃኑ ብግዶምን እዬም።
ኣይተ መሓሪ ሓጎስ ሽዑ ኣብዘስምዑዎ ዘረባ “ ማልት ብዋናነት ኣብ ዘፈራት ትምህርትን ጥዕናን ኣትኩራ እትነጥፍ ማሕበር ልምዓት ምዃና ብፍላይ ኣብ ወረዳ ስሓርቲ ሳምረ ቡዙሓት ስራሕቲ ልምዓት ምስርሓን ብምሕባር፣ ድሕሪ ዕውት ቴሌቶን ማልት ሕብረተሰብ ኣተሓባቢራ ብዝረኸበቶ ኩሉ መዳይ ደገፍ ዛጊድ ልዕሊ 380 ዳሳት ናብ ዘበናዊ መምሀሪ ህንፃ ቀይራ ህፃናት ተምሃሮ ካብ ፀሓይን ቁርን ክገላገሉ ጌራ’ላ፤ እዚ ሎሚ ንምርቖ ዘለና ቤት ትምህርቲ ድማ ምሕዝነት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዘተኣሳሰረን ዝምድንኦም ዝያዳ ዘጠናኸረን’ዩ ድሕሪ ምባል ንስናይ ግብሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማልያ ብምምስጋን ማልት ንቕድሚት’ውን ጠንካራ ማሕበር ልምዓት ኮይና ምልማዕ ከምትቕፅል ዘለዎም እምነት ገሊፆም ።”
ምክትል ኣማሓዳሪ ወረዳ ስሓርቲ ሳምረ ኣይተ ብርሃኑ ብግዶም ‘ውን “ርሑቕ ኣሚቶም ህፃናት ተምሃሮና ካብ ፀሓይ ቁርን ንፋስን ክገላገሉ ቤት ትምህርቲ ሃኒፆም ንዘረከቡና ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማልያን ንማሕበርና ማሕበር ልምዓት ትግራይን ዘለና ልዑል ናእዳ ብስም ምምሕዳርናን ተጠቀምቲ ተምሃሮናን ንገልፅ።” ኢሎም።
ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማልያ ዝተሃነፀ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሜዳ ግጀት መምሀሪ ክፍልታት፣ ቤት ፅሕፈት፣ ላይብረረን ዘጠቓለለ ክልተ ዓበይቲ ህንፃታትን ሽቓቕ ደቂ ተባዕትዬን ደቂ ኣንስትዬን ዘጠቓለለ ኾይኑ ብልዕሊ 700 ሽሕ (ሸውዓተ ሚእቲ ሽሕ) ብር ዝተሃነፀን 180 (ሓደ ሚእትን ሰማንያን) ተምሃሮ ኣብ ዳስ ካብ ምምሃር ዘናገፈ ዘበናዊ ቤት ትምህርቲ’ዩ።
ኣብ እዋን’ቲ ምረቓ ተረኺቡ ልዑል ታሕጓሱ ዝገለፀ ህዝብን ምምሕዳርን ንገበርቲ ፅቡቑ ፅዋዕ ሸሊሙ እዩ።