Saturday, February 04, 2012    Register  •  Login
 
   
 
   
   
   
 
 
     
 
ብኣባላትን ደገፍትን ውዳበ ማ.ል.ት ሰሜን ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፀት መፅብዓ ቴሌቶን ማ.ል.ት ተመሪቓ ስሩዕ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚራ ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ጣቢያ ዓዲ መሳኑ ቑሸት ኣፍቀራ ዝነበረት መርኣያ ኣብያተ ትምህርቲ ዳስ ትግራይ ናብ ዘመናዊ ህንፃ ተቐይራ ዝተመረቐት ዕለት 14 ለካቲት 2002 ዓ.ም እዮ።

     ኣብ ቑሽት ኣፍቀራ ተረኺቦም ነታ ብልዕሊ 836 ሽሕ (ሸሞንተ ሚእትን ሰላሳን ሽዱሽተን ሽሕ) ብር ወፃኢ ዝተሃነፀት ቤት ትምህርቲ መሪቖም ዝኸፈቱዋ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ኣይተ ነጋ በርሀ፣ ተወካሊ ማ.ል.ት ኣይተ መሓሪ ሓጎሰን ኣቦ መንበር ማ.ል.ት ጨንፈር ሰሜን ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ማሞ ኪሮስን ‘ዬም ። 

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ኣይተ ሃይለስላሴ ገ/ሄር “ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ተፈጢራ ንህዝቢ ተገልግል ማ.ል.ት ወገናት ልምዓት ኣተሓባቢራ ፀገምና ንምፍታሕ ንዝገበረቶ ሰናይ ተግባር ብስም ህዝብን ምምሕዳርን ብምምስጋን ኣብ ካልእ ከባቢ ንዝርከቡ መምሀሪ ዳሳት ናብ ህንፃ ምቕያር ክትቅፅለሉ እናሓበርኩ፣ ህዝቢ ድማ ድሕንነት ቤት ትምህርቱ ክሕሉን ጎደሎታቱ ከማልእን ሓደራ ኢሎም።”

ንማልት ወኪሎም ዝተዛረቡ ኣይተ መሓሪ ሓጎስ ድማ “ንሰለጤን ቤት ትምህርቲ ቁሸት ኣፍቀራ ኩሉ መዳይ ሓገዝ ንዝገበሩ ኩሎም ብምምስጋን፣ ማሕበር ልምዓት ንቕድሚት’ውን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣብ ዳስ ዘምህራ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ህንፃ ንምቕያር ኣበርቲዓ ከምትንቀሳቐስ ቃል ብምእታው፣ ህዝቢ ኣብ ጎኒ ማልት ተሰሊፉ እጃሙ ከበርክት ተላብዬም።” 

ኣቦ መንበር ማልት ጨንፈር ሰሜን ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ማሞ ኪሮስ ብወገኖም ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ “ኣብ ኣራዳን ጉሌሌን ክፍላተ ከተማ ንርከብ ኣባላትን ደገፍትን ማልት ፃውዒት ቴሌቶን ማልት ተቐቢልና ዝሃነፅናዬ ቤት ትምህርቲ ተዛዚሙ ኣብ ፅባሕ መበል 35 ዓመት ልደት 11 ለካቲት ንምረቓ ምብቅዑ ልዑል ኩርዓትን ሓበንን ይስመዐና፣ ንቕድሚት ‘ውን ብስም ውዳበና ንትውልዲ ዝሓልፍ ቅርሲ ክንተክል ክንንቀሳቀስ ኢና ድሕሪ ምባል ብቑዓትን ብሱላትን ተምሃሮ ንምፍራይ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ተዋዲዶም ክሰርሑ ሓደራ ኢሎም።”
 
ዋና ኣማሓደሪ ዞባ ምብራቕ ኣይተ ነጋ በርሀ “ፀገም ቤት ትምህርቲ ቁሸት ኣፍቀራ ተገንዚቦም ቤት ትምህርቲ ሃኒፆም ንዘረከቡ ኣባላትን ኣመራርሓን ውዳበ ማልት ሰሜን ኣዲስ ኣበባን ነዚ ሰናይ ተግባር ንዘተሓባበረት ማልትን ብምንኣድ፣ ብመሰረት ፃውዒት ቴሌቶን ማልት ዛጊድ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጥራሕ 26 ልምዓታዊ ሰብ ሃፍቲ ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒፆም የረክቡና ‘ለው” ኢሎም።
 
ቤት ትምህርቲ ቑሸት ኣፍቀራ ክልተ ዓበይቲ ህንፃታት መምሀርን ምምሕዳርን ሸሞንተ ክፍሊ ሽቓቕን ዘካተተ ሙሉእ ቤት ትምህርቲ ኮይኑ ከባቢ 300 (ሰለስተ) ሚእቲ ተምሃሮ ካብ ዳስ ናብ ዘበናዊ ህንፃ ዘሰጋገረ ‘ዩ።
 
ኣቦ መንበር ማልት ጨንፈር ሰሜን ኣዲስ ኣበባ መፍትሕ ቤት ት/ቲ ዩኒፎርም ተምሃሮን ጋዎን መምህራንን ምርካቦም ተፈሊጡ’ሎ።
You must be a registered subscriber in order to view this Article.
To learn more about becoming a subscriber, please visit our Subscription Services page.

Written By: TDA PR
Date Posted: 3/4/2010
Number of Views: 517

Return
An error has occurred.
Error: Unable to load the Article Details page.