Saturday, February 04, 2012    Register  •  Login
 
   
 
   
   
   
 
 
     
 
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዘህነፆ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፍረ ቴሌቶን ማ.ል.ት ተመሪቑ።

እቲ ኣብ ትግራይ ደቡባዊ ዞባ ወረዳ ኦፍላ ጣቢያ ፋላ ቑሸት መሳኑ ህንፀቱ ተዛዚሙ ባሕቲ ለካቲት ተመሪቑ ንግልጋሎት ዝበቕዐ ቤት ትምህርቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዓሚ ኣካይዳቶ ኣብ ዝነበረት ዕውት ቴሌቶን ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ቃል ዝተኣተወን ናብ ተግባር ዝተለወጠን ‘ዩ።

ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነቲ ቤት ት/ቲ መሪቖም ዝኸፈትዎ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኢህወደግን ወካሊ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ዝኾኑ ኣይተ ታደሰ ካሳን፣ ፈፃሚ ዳይሬክተር ዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩን እዬም።
 
ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዲግ ኣይተ ታደሰ ካሳ ሽዑ ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ዝምድና ቓልሲ ህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ንቕድሚትውን ብመሪሕ ውድባቱ ብ.ኣ.ዴ.ንን ህ.ወ.ሓ.ትን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዘመላኽት ምድግጋፍ ልምዓት ምዃኑ ብምሕባር በቲ ህንፀት ቤት ትምህርቲ ከምተሓጎሱ ገሊፆም።
 
ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ኦፍላ ኣይተ ታጁ መሓመድ ድማ “ውፅኢት ምንቅስቓስ ማሕበርና ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝኾነ ቤት ትምህርቲ ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ብልዕሊ 700 ሺሕ ብር ወፃኢ ተሃኒፁ ኣብታ ክብርቲ መፈለምታ ወርሒ ለካቲትን መበል 35 ዓመት በዓል ልደት 11 ለካቲት ንምኽባር ኣብንሸባሸበሉ ዘለና እዋን ምምራቑን ፍሉይ ይገብሮ ኢሎም።”
 
ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩ ’ውን “ብስም ተረባሕቲ ተምሃሮን ማ.ል.ትን ንሰናይ ተግባር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ድሕሪ ምንኣድ፣ ማ.ል.ት ብዝገበረቶ ልምዓታዊ ምንቅስቓስ ዛጊድ ኣብ ወረዳ ኦፍላ ጥራሕ ከባቢ ዒስራ ኣብ ዳስ ዘምህራ ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ዘበናዊ ህንፃ ምቕያራን፣ ድሕሪ ቴሌቶን ማ.ል.ት ኣብዘሎ ናይ ሓደ ዓመት እዋን ብደረጃ ትግራይ ከባቢ 400 ኣብያተ ትምህርቲ ዳስ ናብ ህንፃ ምቕያራ ሓቢሮም።”
 
ብምትሕብባር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ማሕበር ልምዓት ትግራይን ዝተሃነፀ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኩሉ ዘማልኣ ክልተ ዓበይቲ ህንፃ (ብሎክ) ኮይኑ ከባቢ 400 ተምሃሮ ካብ ዳስ ናብ ህንፃ ዘሰጋገረ ምዃኑ ካብ ርክብ ህዝብን ኮሚዩኒኬሽንን ማ.ል.ት ዝበፅሓና ሓበሬታ የረድእ።
 
You must be a registered subscriber in order to view this Article.
To learn more about becoming a subscriber, please visit our Subscription Services page.

Written By: 123 123
Date Posted: 2/10/2010
Number of Views: 495

Return
An error has occurred.
Error: Unable to load the Article Details page.