እቲ ሕክምና ምክልኻል ምጥፋእ ዓይነ ስውርነት መበል 35 ዓመት ልደት ህወሓት ንምኽባር ኣብንሸባሸበሉ እዋን ኮይኑ፣ ብነፍስሄር ኣርቲስት ተጋዳላይ ኢያሱ በርሀ ዝተሰየመን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብዘካየደቶ ልዑል ፃዕሪ ካብ ስዑድ ዓረቢያ ከተማ ኣልኩበር ብዝመፅእ “ኣልባሳር ብዝተብሃለ ዓለምለኸ ገባሪ ሰናይ ትካል ሕክምና ዓይኒ ከምዝካየድን ምስ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይን ዩኒቨርስቲ መቐለን ብሓባር ተዋዲዶም ምስ ማልት ዝሰርሕዎ ወፍሪ ሕክምና ዓይኒ ምዃኑን መምህር ያሲን ራጅኡ ካብዝሃቡዎ መብርሂ ንምርዳእ ተኻኢሉ ’ሎ።
ኣርቲስት ተጋዳላይ ኢያሱ በርሀ ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳብ ሕልፈቱ ዝሰርሖም ስራሕቲ ህያው ’ዬም ዝበሉ ወካሊ ማልት መምህር ያሲን ራጅኡ ብፍላይ ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝገበሮ ሙያዊ ኣበርክቶ ዘይርሳዕ ስለዝኾነ እቲ ወፍሪ ሕክምና ማልት ብስሙ ምግባራን ኣብ ወርሒ ሰነ 2001 ዓ/ም ካብ ስዑዲ ዓረቢያ ሪያድ ዝመፀ ኣፍሪቃ ዳዕዋ ኮሚቴ ኣተሓባቢራ 12 ዶካትር ዝሓቖፈ ጉጅለ ሕክምና ኣብ ኣዲስ ኣበባ 1.5 ሚልዬን ብር ዝግመት ነፃ ሕክምና ምሃባ ኣዚኻኺሮም።

ዶክተር ዓብደልቃድር መሓመድ ሰይድ ብወገኖም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ “በቲ ጉጅለ ሕክምና ዓይኒ” ካብ መላእ ትግራይ ንዝመፁ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ሚእቲ ሕሙማት ዓይኒ ምርመራ ብምክያድ ቀሊልን ከቢድን መጥባሕቲ፣ ነፃ መድሓኒትን መነፀርን ዘጠቓለለ ሓገዝ ከምዝግበርን ከካብ ዞብኡ ናብ መቐለ ዝመፁ ሕሙማት ሓደ ጉጅለ ተዋፊሩ ከምዝሓረየን ገሊፆም።
እቲ ሕክምና ምክልኻል ዓይነ ስውርነት ካብ 29 ጥሪ ክሳብ 04 ለካቲት 2002 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ከምዝካየድ’ውን ካብ ኮሚኒኬሽን ማልት ዝመፀና ሓበሬታ የረድእ።