ህዳሰ ማልት ሕብረት ተጋሩን ፈተውቲ ልምዓትን ኣረጋገፁ ዝሓለፈ ቴሌቶን ማልት ብኣጠቓላሊ ካቢ 165 ሚልዮን ብር መፅብዓ ዝተኣተወሉን ካብዚ እቲ ልዕል 58 ሚልዮን ብር ብውልቀ ሰብ ሃፍትን ትካላትን ቤት ት/ቲ ንምህናፅ ቃል ዝተኣተወ ምንባሩ ኣዘኻኺሮም፡፡
ብመሰረት’ዚ ብዘይካ’ቶም ብውልቆም ቤት ት/ቲ ክሰርሑ ቃል ዝኣተው ሰብ ሃፍትን ትካላትን ብወረዳታት ዝስራሕ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ከባቢ 400 ብሎክ ካብ 1-4 ክፍሊ ዘምህራ 1538 ክፍልታት መምሀሪ ህንፀተን ተዛዚሙ ካብ ዳስ ዝተናገፉ ተምሃሮ የምህራ ምህላወንን እዚ ድማ ካብቲ 775 ዳስ ኣብያተ ት/ቲ ናብ ዘመናዊ ህንፃ ምልዋጥ ዝብል ትልሚ ማልት ሓምሳ ሚኢታዊ ምፍፃሙ ዘመላኽት’ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡
ቤት ት/ቲ ንምህናፅ ቃል ካብ ዝኣተው ልዕሊ 70 ሰብ ውልቀ ሃፍትን ትካላትን እቶም 38 ስራሕቲ ህንፀት ዝጀመሩ ኮይኖም እቶም 10 ቤት ት/ቲ ሃኒፆም ንተጠቀምቲ ምርካቦምን እቶም ስራሕ ዘይጀመሩ 37 ዝኮኑ ሰብ ውለቀ ሃፍትን ትካላትን ድማ ክሳብ ወርሒ ጥሪ ህንፀት ከምዝጅምሩ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ መፅብዓ ቴሌቶን ተጠቓሊሉ ኩለን ኣብ ዳስ ዘምህራ ዘለዋ ኣብያተ ት/ቲ ናብ ዘበናዊ ህንፃ ከምዝቕየራ እምነት ማልት ልዑል ምዃኑ ዝገለፁ ኣምባሳደር ተወለደ ገብሩ፣ ንቅድሚት’ውን ኩሉ ፈታዊ ልምዓት ከምቀደሙ ኣብ ጎኒ ማልት ዓሲሉ ልምዓት ትግራይ ኣብ ምቅልጣፍን ምሕያልን በቢኽእለቱ ክተሓባበር ፀዊዖም፡፡