Saturday, February 04, 2012    Register  •  Login
 
   
 
   
   
   
 
 
     
 
ብመሰረት ፃውዒት ቴሌቶን ማልት ብመቐለ ዩኒቨርሲቲ ዝተሃነፀት ቤት ትምህርቲ ተመሪቓ ስሩዕ ግልጋሎት ጀሚራ።

እታ ብማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ህንፀታ ተዛዚሙ ዕለት 30 መስከረም 2002 ዓ.ም ተመሪቓ ስሩዕ ስርሓ ዝጀመረት ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ጣቢያ ሒዋነ ቁሸት ዝባን ዓልበ እያ ትርከብ።

ኣብ ትግራይ ዝርከባ ልዕሊ ሸውዓተ ሚእቲ ኣብ ዳስ ዘምህራ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ዘበናዊ ህንፃ ንምቕያር ዓሚ ወርሒ መስከረም ማልት ኣካይዳቶ ኣብ ዝነበረት ቴሌቶን ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ቃል ዝኣተዉ ሰራሕተኛታት መቐለ ዩኒቨርሲቲ ብመሰረት ቃሎም ዝሃነፁዋ ቤት ትምህርቲ እያ።
 
ምክትል ኣማሓዳሪ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ኣይተ ረዳ ደስታን ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ እታ ወረዳ ኣይተ ታደሰ ኣዳነን ‘’ሳላ ልምዓታዊ መንግስትና ካብ ኣብራኽ ህዝብና ዝተፈጠረት ማልት ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ትገብሮ ንዘላ ብርቱዕ ፃዕሪ ብምንኣድ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ህፃናትን መናእሰይን ኣብ ድሕሪ ገዛውቶም ዝመሃሩሉ ዕድል ምምችቻዋ ብምግላፅ ንመቐለ ዩኒቨርሲቲ ዘለዎም ክብርን ናእዳን ገሊፆም’’።
 
ንመቐለ ዩኒቨርሲቲ ብምውካል ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ምክትል ፕረዚደንት መቐለ ዩኒቨርሲቲን ኣባል ቦርድ ማልትን ዶ/ር ክንደያ ገ/ህይወት ብወገኖም ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ ‘’ተሳትፎ ዩኒቨርሲቲና ህንፃ ብምስራሕ ጥራሕ ዘብቅዕ ዘይኮነስ ፅሬት ትምህርቲ ክሳብ ዝረጋገፅ ውሽጣዊ ትሕዝቶ እቲ ቤት ትምህርቲ ከማልእ እዩ’’ ክብሉ ሓቢሮም።
 
ንማልት ወኪሎም ዝተረኸቡ ኣይተ ግርማይ ኪ/ማርያም‘ውን‘’ ማልት ህዝቢ ሒዛ ምልማዕ ከምትቕፅል ብምሕባር ነቲ ብመቐለ ዩኒቨርሲቲ ተሃኒፁ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ህዝቢ ክከናኸኖን ደቁ ከምህረሉን ኣተሓሳሲቦም’’ ።
 
ብመቐለ ዩኒቨርሲቲ ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ኣርባዕተ መምሃሪ ክፍልታት ፣ ቤተ መፃሕፍቲ ፣ ቤት ፅሕፈትን ሽቓቕን ዘጠቓለለ ክልተ ብሎክ ኮይኑ ንህንፀቱ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ብር ምውድኡን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተምሃሮ ትምህርቶም ብዝሓሸ ኣገባብ ንምክትታል ከምዘኽእሎምን ተፈሊጡ ኣሎ።
 
You must be a registered subscriber in order to view this Article.
To learn more about becoming a subscriber, please visit our Subscription Services page.

Written By: TDA PR
Date Posted: 10/13/2009
Number of Views: 1342

Return
An error has occurred.
Error: Unable to load the Article Details page.