Saturday, February 04, 2012    Register  •  Login
 
   
 
   
   
   
 
 
     
 
መግለፂ ሰናይ ትምኒት

ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ኣባላትን ደገፍትን ማልትን ፈተውቲ ልምዓት ትግራይን እንኳዕ ን2002 ዓ.ም ሓዱሽ ዓመት ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና ትብለኩም ኣላ ማሕበርኩም ማሕበር ልምዓት ትግራይ!

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ, ብ1981 ዓ.ም ኣብ ሰ/ኣሜሪካ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ “ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዝተናገፈት ምዕብልቲ ትግራይ ምፍጣር” ዝብል ራእይ ተሓንጊጣ ካብ ትምስረት ወርሒ ነሓሰ, 2001 ዓ.ም 20 ዓመት ጌራ እያ፡፡
 
መበል 20 ዓመት ልደት ማልት ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብዝለዓለ ድምቀትን ዓወትን ተኸቢሩን እናተኸበረን’ዩ፡፡
 
ቐንዲ ዕላማ’ቲ በዓል ማልት ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ምስ ኣባላታ፣ ደገፍታን ፈተውቲ ልምዓት ትግራይን ማይን ፀባን ኮይና ኣብ ልምዓት ትግራይ ዘሳለጠቶም ልምዓታዊ ንጥፈታት ብምስትምቓር ንቐፃላይ ማልት ብኣባላትን እቶትን ተጠናኺራ ኣብ ልምዓት ትግራይ ጭቡጣት ለውጢታት ንምምፃእ ቃል ኪዳንና ንምሕዳስ’ዩ፡፡
 
ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ጎኒ ማልትን ህዝቢ ትግራይን ተሰሊፍኩም ብገንዘብ፣ ማቴሪያል፣ ፍልጠትን፣ ጉልበትን ኣስተዋፅኦ ንዝገበርኩም ኩሉኹም ኣባላት፣ ደገፍቲ ማልትን መላእ ህዝቢ ትግራይን ፈተውቲ ልምዓት ትግራይን ካብ ልቢ ዝነቐለ ምስጋናኣ ተቕርብ፡፡
 
ንቐፃሊ’ውን ኣብ ጎኒ ማልትን ህዝቢ ትግራይን ተሰሊፍኩም ልምዓት ትግራይ ንኽሳለጥ ደገፍኩም ከምዘይፍለያ እምነታ ልዑል እዩ፡፡
 
ሓዱሽ ዓመት ዘበነ ሰላም፣ ዕብየትን ብልፅግናን ንክኾነልኩም ድማ ሰናይ ትምኒታ ትገልፅ፡፡
 
ማሕበርኩም ማሕበር ልምዓት ትግራይ!
You must be a registered subscriber in order to view this Article.
To learn more about becoming a subscriber, please visit our Subscription Services page.

Written By: TDA PR
Date Posted: 9/5/2009
Number of Views: 824

Return
An error has occurred.
Error: Unable to load the Article Details page.