እዚ ዝተሓበረ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩ ዕለት 4 ሕዳር, 2002 ዓ.ም ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ’ዩ፡፡
ማልት ኣብዚ ዓመት ካብዝሓዘቶም ዓበይቲ መደባት ኣባላት ምስፋሕን ስርዓት ወፈያ ክህሉን ክጠናኸርን ኣበርቲዓ ምንቅስቓስ ምዃኑ ዝገለፁ ኣምባሳደር ተወልደ፣ ብፍላይ ማሕበረሰብ ንግዲ ብስም ትካሉ፣ ተምሃሮ ካልኣይ ብርክን ዩኒቨርስቲን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብውዳበን ብወፈያን ምጥንኻር’እዩ፡፡