Saturday, February 04, 2012    Register  •  Login
 
   
 
   
   
   
 
 
     
 
ማ.ል.ት ብፍላይ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ መርዓ ጠሚታ ኣብ ባይታ ትሰርሖ ስራሕ ኣመልኪታ ኣብ ኔዘርላንድስ ከተማ ዩትረኽት ናይ ክልተ መዓልታት ስልጠና ዝሃበት ሰለስተ ኣባላት ብዝርከቡዋ ጉጅለ ልዑኽ ማ.ል.ት ኣቢላ እያ።   Read More...

እዚ ዝተሓበረ ዳይረክተር ውዳበ ኣባላትን ወለንታውያንን ማ.ል.ት ኣይተ ሃ/ማርያም ሃፍቱ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ’ዩ።
ከም ሓበሬታ ኣይተ ሃ/ማርያም ማ.ል.ት ሕሉፍ ጉዕዞኣ ገምጊማ ናብ ዝለዓለ ዝላ ከሰጋግራ ዝኽእል ሓዱሽ ኣወዳድባ ማእኸል ብምግባር ትግራይ ኣብ ሰለስተ፣ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ኣብ ሓደ፣ ኣብ ወፃኢ ድማ ኣብ ሓደ ክላስተር ወዲባን ዘተሓባብሩ ሰባት መዲባን ብምንቅስቓሳ በዝሒ ኣባላት ካብ ሰብዓ ሽሕ ናብ ልዕሊ ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ሸሕ፣ ዓመታዊ እቶት ድማ ናብ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዬን ብር ክብ ኢሉ’ሎ።
  Read More...

ድሮ በዓል ሕዳር ፅዬን ኣብ ዞባ ማእኸል ከተማ ኣኽሱም ተረኺቦም ነቲ ቤት ትምህርቲ ዝመረቑ፣ ምክትል ፕረዚደንት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክቡር ኣይተ በየነ መክሩ፣ መስራቲት ሳንሻይን ኮንስትራክሽንን ገባሪ ሰናይ ፋውንዴሽንን ወይዘሮ ፈትለወርቅ ኢላላን ፈፃሚ ዳይረክተር ዓለም ለኸ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩን እዬም።   Read More...

መበል 30 ዓመት ምስረታ ውድብ ብኣዴን ምኽንያት ብምግባር ዕለት 4 ሕዳር 2003 ዓ.ም ኣብ ቁሸት ትኽራርዋ ንዝተሃነፀት ቀዳማይ ብርኪን ኣብ ጣቢያ ጉያ ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርክን ኣብያተ ትምህርቲ ብኣዴን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ዝመረቑወን ላዕለዎት መራሕቲ ውድባት ብኣዴንን ህወሓትን እዮም።   Read More...

ዕለት 28 ጥቅምቲ 2003 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢያዊ ምምሕዳር ሰሜን ጣቢያ ላጪ ብፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ሙሉአ ወፃኢ ተሃኒፁ ንምረቓ ዝበቕዐ “ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መሰቦ” ሰለስተ ዓበይቲ በዓል ሰለስተ ደብርታት ዝርከቡዎ መምሀሪ ክፍልታት ቤተ ፈተነን ዓይነ ምድርን ምስ ሙሉእ ናውቱ ዘጠቓለለ’ዩ።   Read More...

Page 6 of 30First   Previous   1  2  3  4  5  [6]  7  8  9  10  Next   Last