እቲ ዕለት 10 ጉንበት 2002 ዓ.ም ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣቢያ ኣደመይቲ ቁሸት ኮኸብ ዝተሃነፀን ካብ ዳስ ናብ ዘበናዊ ህንፃ ዝተሰጋገረን እዩ፡፡ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ኣመሓዳሪ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣይተ ኣብርሃለይ ኣበራ “ሕሉፍ ስርዓት ኣደንቂሩ ዝገዝእን ብሕብረተሰብ ዝግልገልን ብምንባሩ ህዝብና ንምሒር ድኽነትን ዱንቁርናን ተሳጢሑ ድሕሪ ምፅናሕ፣ እንሆ ሎሚ ውፅኢት ቃልሱ ዝኾነ ቤት ት/ቲ ንምምራቕ በቒዕና’ለና፡፡ ንቕድሚት’ውን ዘለውና ፀገማት ተሓባቢርና ክንፈትሖም ኢና ድሕሪ ምባል እዚ ሐዚ ረኺብናዮ ዘለና ዓወት ውፅኢት መስዋእቲ ጃዕፈርን ብፆቱን ምዃኑ ብምሕባር ንኣባላትን ደገፍትን ማ.ል.ት ጨንፈር ዱባይ ንኢዶም፡፡”