9ይ ዓለምለኸ ጉባኤ ማልት ብድሙቕ ኣገባብ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ
ኣብቲ “ምጥንኻር ማልት ንዓወት ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርሜሽንን ሃገርና ኣገዳሲ’ዩ” ብዝብል መሪሕ ጭርሖ ካብ 4-5 ጥሪ 2004 ዓ.ም ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ዝተኻየደ ጉባኤ ላዕለዎት መራሕቲ ክልልና፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ካብ ወፃእን ውሽጢ ዓድን ዝተወከሉ ጉባኤተኛታትን ዝተሳተፉሉ’ዩ ኔሩ፡፡
ማልት ድሕሪ 8ይ ጉባኤኣ ዘካየደቶም ንጥፈታት ብዝምልከት ሰፊሕ ፀብፃብ ብኣቦ መንበር ቦርድን ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት፣ ፀብፃብ ኦዲት ድማ ብኣይተ ማዕሩፍ ኑርሑሴን ቀሪቡ ብጉባኤተኛታት ተዘትዩሉ’ዩ፡፡
ኣብቲ ዝቐረበ ፀብፃብ፣ ኣብ ቁልፊ መደብ ማልት ውዳበ ምጥንኻር፣ ናይ ሰለስተ ዓመታት በጀትን ዝርዝር ኣፈፃፅማ መደባት፣ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክትታትን ፕሮግራማትን፣ ውሽጣዊ እቶት ማልት ምምዕባል፣ ፋይናንስ ዕድጊትን ንብረትን ምምሕዳር፣ ዘይተፈፀሙ ትልምታት፣ ውሽጣዊ ዓቕሚ ማልት ምጥንኻር፣ ዓበይቲ ስራሕቲ ቀፀልቲ ሰለስተ ዓመታትን፣ ኣታውን ወፃእን በጀት ብዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ቀሪቡ ጉባኤተኛ ግንዛበ ክረክብ ተጌሩ’ዩ፡፡
ማልት ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝተሓንፀፀ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርሜሽንን ኣብ ምዕዋት ርኡይ ኣስተዋፅኦ ንምግባር ዘኽእላ ውሳነታት ብኣይተ ወልደስላሴ ወ/ሚካኤል ካብ መድረኽ ቀሪቡ’ዩ፡፡
ኣብቲ ውሳነ፣ ዓቕሚ ማልት ብዓይነት ንምልዋጥ ዘኽእሉ ምንቅስቓሳት፣ ፅሬት ትምህርቲን ጥዕናን ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት፣ ስራሕ ስእነት ኣብ ምቅላል፣ ኣብ ክንክን ሓለዋ ከባቢያዊ ልምዓትን ኣብ ምጥንኻር ርክብን ሓበሬታን ክሰርሑ ዝግበኦም ስራሕትን ተሓቢሮምን ብጉባኤተኛታት ፀዲቖምን እዮም፡፡
ኣብ 9ይ ጉባኤ ማልት ንቐፀልቲ ሰለስተ ዓመታት ዝመርሑ 13 ኣባላት ቦርድን 5 ኣባላት ኦዲትን ብዲሞክራዊያዊ ኣገባብ ተመሪፆም’ዮም፡፡
ዝርዝር ተመረፅቲ ኣባላት ቦርድ ማልት
1. ኣይተ ወልደስላሴ ወ/ሚካኤል------------- ኣቦወንበር ቦርድ ማልት
2. ዶክተር ክንደያ ገ/ሂወት ---------------- ም/ኣቦወንበር ቦርድ ማልት
3. ዶ/ር ወልዳይ ኣምሃ --------------------- ኣባል
4. ኣይተ ጎበዛይ ወልደኣረጋይ -------------- ኣባል
5. ወ/ሮ በላይነሽ ተኽላይ-------------------- ኣባል
6. ኣይተ ደስታ ኣስገዶም------------------- ኣባል
7. ወ/ሮ ኣረጋሽ በየነ---------------------- ኣባል
8. ዶ/ር ታደለ ሓጎስ ---------------------- ኣባል
9. ዶ/ር ኣለማየሁ ገ/ሔር ----------------- ኣባል
10. ኣይተ ስዒድ መሓመድ ብርሃን--------- ኣባል
11. ኣይተ ዳንኤል ኣሰፋ ----------------- ኣባል
12. ኣይተ ሓጎስ ጎዲፍ -------------------- ኣባል
13. ኣይተ ተፈሪ የማነ -------------------- ኣባል
ተጠባበቕቲ
1. ኣይተ ዮሃንስ ተኽላይ
2. ኣይተ ፀጋልኡል ወ/ኪዳን
3. ኣይተ ማሞ ኪሮስ
4. ኣይተ ጥበበስላሴ ኣወጣኽኝ
ተመረፅቲ ኣባላት ቦርድ ኦዲት ማልት
1. ዶ/ር ገ/ሂወት ታደሰ
2. ኣይተ ተስፋይ ሃይሉ
3. ወ/ሮ ሙሉ በላይ
4. እቴነሽ ኣብርሃ
5. ወ/ሮ ምሕረት በየነ
ኣብቲ ብዝኽሪ ሰማእታትና ዝተጀመረ ዕውት ጉባኤ፣ ሓዱሽ መዝሙር ማልትን ብፍላይ ኣብ ትምህርቲ ዝጠመተ ሓፂር ዶክመንተሪ ፊልምን ቀሪቡ ናእዳ ዝረኸበ እንትኾን፣ ንማልት ብቐረባ ንዝሓገዙ ኣካላትን ንጡፍ ተሳትፎ ንዝነበረን ውዳበታት ማልትን ውልቀ ሰባትን ወረቐት ምስክርን ዋንጫን ተዋሂቡ’ዩ፡፡
You must be a registered subscriber in order to view this Article.
To learn more about becoming a subscriber, please visit our Subscription Services page.
Written By: TDA PR
Date Posted: 1/18/2012
Number of Views: 442
Return
 |
An error has occurred. Error: Unable to load the Article Details page. |