ኣብቲ ዕለት 20 ሰነ 2002 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ኣቦ መንበር እታ ጣቢያ ኣይተ ጠቋረ ኣለመ “ፈተውቲ ልምዓትና ንዝገበርኩምልና ሓገዝ ብስም ህዝቢ የመስግን ድሕሪ ምባል፣ እቲ ኣረኪብኩምና ዘለኹም ቤት ት/ቲ ንቕድሚት ጉልበትን ገንዘብን ህዝብና ኣተሓባቢርና ከምነስፍሖን ነመሓይሾን ቃል ንኣቱ” ኢሎም።
ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ወረዳ እንዳመኾኒ ኣይተ ሰማው ሞላ ብወገኖም “ኣዝዩ ትሑት ዝነበረ ሽፋን ትምህርቲ ወረዳና ልምዓታዊ መንግስትና ብዝሓንፀፆ ንፁር ፖሊሲን ስትራተጂን ካብ 54 ሚእታዊ ናብ ልዕሊ ሚእቲ ሚእታዊ ክዓቢ ከምዝኸኣለ ብምሕባር፣ ሀዚ’ውን ግን ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከባ ኣርባዓን ሽዱሽተን ቀዳማይ ብርኪን ሓደ ካልኣይ ብርክን ኣብያተ ት/ቲ እቶም ሽዱሽተ ሚእቲ ተምሃሮ ኣብ ዳስ ይመሃሩ ምህላዎም፣ ልዕሊ ዓሰርተ ክልተ ተምሃሮ ድማ ኣብ እምኒ ተቐሚጦም ከምዝመሃሩን፣ ቑፅረን ዘይነዓቓ ኣብያተ ት/ቲ ድማ ላይብረሪ፣ ቤተ ፈተነን ፅሩይ ዝስተ ማይን ከምዘይብለን ገሊፆም።”
ኣመሓዳሪ’ታ ወረዳ ኣይተ ሃፍቱ ወላሞ ድማ “ማ.ል.ት ኣብ ወረዳና ንዝገበረቶ ልዑል ጠመተ ናእዳይ ደረት የብሉን፣ ህዝቢ ወረዳና’ውን ብወገኑ ብዝገበሮ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ወረድኡ ካብ ዝነበራ ሰማንያ ኣብ ዳስ ዘምህራ ኣብያተ ትምህርቲ እተን ሓምሳን ሽዱሽተን ናብ ህንፃ ከምዝቐየረንን፣ ምልምዑ ንምሕያል ልዕሊ ዕስራን ሓደን ሽሕ መራሒ ስድራ’ታ ወረዳ ኩሉ ኣባል ማ.ል.ት ኮይኑ ገንዘብ ንምውፋይ ቃል ምእታው በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እንትሕብር ንትካል ንግዲ መርከብ ኢትዬጵያ፣ ንስራሕተኛታቱን ንኩሎም ኣስተዋፅኦ ዝገበሩልናን ደጊመ የመስግን” ኢሎም።


ንማ.ል.ት ብምውካል ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ፈፃሚ ዳይሬክተር ዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩ ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ ድማ “ስራሕቲ ማ.ል.ት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ምዃኑ ብምሕባር፣ ማ.ል.ት ብፍላይ ኣብ ዞባታት ደቡብን ምዕራብን ጠሚታ ትንቀሳቐስ ምህላዋን ድሕሪ ቴሌቶን እኳ ኣብ ዞባ ደቡብ ጥራሕ ትሸዓተ ኣብያተ ትምህርቲ ክህነፁ ጌራ’ያ ድሕሪ ምባል ሓይሊ፣ ጉልበትን ዓቕምን ኣብ ህዝብና ስለዘሎ ዕቤትን ልምዓትን ሃገርና መሊኡ ክረጋገፅ ኩልና ደቅና ክነምህር ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።”
ነቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ዘህነፀ ትካል ንግዲ መርከብ ኢትዬጵያ ኣካያዲ ስራሕ ኣይተ ኣምባቸው ኣብርሃ ‘ውን “ትካልናን ሰራሕተኛታቱን ዘዋፃእናዬ ኣቕራሽ ኣብ መዓልኡ ውዒሉ ብምርኣይናን ንምምራቕ ብምብቃዕናን ልዑል ታሕጓስ ይስመዐና፣ ኣብ ቁጠባ ሃገርና ልዑል ኣበርክቶ ዘሎዎ ትካል ንግዲ መርከብ ኢትዬጵያ ንቕድሚት ነዛ ቤት ትምህርቲ ንምዕባይ ክንዲ ዝካኣሎ ክሕግዝ ምዃኑ ቃል ይኣቱ” ኢሎም። ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከረን ፅሕዲ ሽዱሽተ መምሀሪ ክፍልታት ሓደ ምምሕዳርን ሓደ ሽቓቕን ብኣጠቓላሊ ሰለስተ ብሎክ ዘጠቓለለን 226 ተምሃሮ ከምዘምህርን ተፈሊጡ’ሎ።