ኣብ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ኣብትርከብ ቤት ትምህርቲ ለቐይ ኣብዝተኻየደ ስነ ስርዓት ርኽክብ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ፈፃሚ ዳይሬክተር ዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩ “ማልት ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ዳስ ናብ ህንፃ ንምቕያር ትገብሮ ምስዘላ ፃዕሪ ጎናጎኒ ቀፅሪ ኣብያተ ትምህርቲ ሓምላይ ክኸውንን ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምፍታሕን ምስ መንግስቲ፣ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ወነንቲ ውልቀ ሃፍትን ብምትሕብባር ኣብ ምንቅስቓስ ትርከብ፡፡ እዚ ሎሚ ንምርቖ ዘለና ጉድጓድ ማይ ድማ ኣካል ማልት ትገብሮ ናይ ዘላ ፃዕሪ’ዩ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣብያተ ትምህርትና ተገንዚቡን ፃውዒት ማ.ል.ት ተቐቢሉን ክልተ ጎዳጉዲ ማይ ሃኒፁ የረክበና ንዘሎ “ናይል ኳዕቲ ጎዳጉዲ ማይ” ዘለኒ ክብርን ናእዳን ብስም ተረባሕትን ማልትን እገልፅ ኢሎም፡፡
ዋና ኣካየዲ ስራሕ “ናይል ኳዕቲ ጎዳጉዲ ማይ” ሚስተር ክሪካንት ሪዲ ብወገኖም ፈለማ ክልተ ጎዳጉዲ መስተ ማይ ኩዒትና ንክነረክብ ዕድል ንዝሃቡናን ኩነታት ንዘመዓራረዩልና ንማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ንወናኒ “ጊልስ” ኳዕቲ ጎዳጉዲ ማይ ንኣይተ ፍፁም ኣስገዶምን ንሕብረተሰብ እዚ ከባብን ከመስግኖም ይፎቱ፡፡ ንኢትዮጵያውያን ወገናትና ብዓቕምና ክንሕግዞም ንምኽኣልና ሓበን ይስመዐና፤ ንቕድሚት’ውን ኣብ መላእ እዛ ሃገር ተመሳሳሊ ሰናይ ተግባር ከምንቕፅለሉ ቃል ይኣቱ ኢሎም፡፡
ናይል ኳዕቲ ጎዳጉዲ ማይ ክልተ ጎዳጉዲ ማይ ኩዒቱ ንምርካብ ዕለት 22 መጋቢት 2002 ዓ.ም ምስ ማልት ከምዝተፈራረመ ዝዝከር ‘ዩ፡፡