ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ኣይተ ነጋ በርሀ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምቕማጥ እምነ ሰረት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ “ ሕሉፍ ስርዓት ኣደንቍሩ ዝገዝእን ብሕብረተሰብ ዝግልገልን ብምንባሩ ህዝብና ንምሒር ድኽነትን ድንቍርናን ተሳጢሑ ድሕሪ ምፅናሕ እንሆ ሎሚ ውፅኢት ቃልሱ ዝኾነ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ዘኽእሎ እምነ ሰረት ንምቕማጥ በቒዕና ኣለና” ድሕሪ ምባል ንግዱስ ወናኒ ሃፍቲ ኣይተ ብርሃነ ግደይ ዘለዎም ክብርን ናእዳን ብስሞምን ብስም ምምሕዳሮምን ገሊፆም፡፡
ፈፃሚ ዳይሬክተር ዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩ ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ድማ “ወናኒ ሃፍቲ ኣይተ ብርሃነ ግደይ ኣብ ቴሌቶን ማ.ል.ት ዝኣተውዎ ቃል ናብ ተግባር ምልዋጦም ብምንኣድ፣ ማ.ል.ት ብዘካየደቶ ቴሌቶን ኣብ ዞባ ምብራቕ ዛጊድ ዓሰርተ ሸውዓተ ሰብ ሃፍቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምህናፅ ከምዝርከቡን ብደረጃ ትግራይ ከባቢ ኣርባዕተ ሚኢቲ ኣብያተ ትምህርቲ ብምትሕብባር ህዝቢ፣ ሰብሃፍትን ማ.ል.ት.ን ካብ ዳስ ናብ ህንፃ ምቕያረን ብምሕባር፣ ማ.ል.ት ንቕድሚት’ውን ህዝባ ኣተሓባቢራ ምልማዕ ከምትቕፅለሉ ሓቢሮም፡፡
ነቲ ቤት ትምህርቲ ሙሉእ ወፃኢ ሸፊኖም ዝሃንፅዎ ግዱስ ወናኒ ሃፍቲ ኣይተ ብርሃነ ግደይ’ውን “ብስንኪ ስእነትን ራሕቕን ቤት ትምህርቲ ተረከብቲ እዛ ሃገር ዝኾኑ መናእሰይ ትምህርቶም ከየቋርፁ ሓሲበን ፃውዒት ማ.ል.ት ተቐቢለን ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ዘኽእለኒ እምነ ሰረት ብምቕማጠይ ታሕጓሰይ ደረት የብሉን ኢሎም፡፡“ ኣብ ቴሌቶን ማ.ል.ት 78 ሰብ ሃፍቲ ብውልቆም ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ከምዝተመፃብዑ ዝዝከር እዩ፡፡