ኣብ ኢትዮጵያ ኣካቢ ኮሚቴ ምትእኽኻብ ሓገዝ ማእኸላይ ምብራቕ መምህር ያሲን ራጅኡ ብወገኖም ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ “ሳላ ልምዓታዊ መንግስትናን መስዋእቲ ጀጋኑናን ኣብ ታሪኽ ሃገርና ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝርገሐ መሰረት ልምዓት ክንርኢ ክኢልና’ለና፡፡ ማ.ል.ት ድማ ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሙያዊ ስልጠናን ዝኣመሰሉን ዋኒናት ልምዓት ግቡኣ እናፈፀመት መፂኣ’እያ ንቕድሚት’ውን ክትቕፅለሉ እያ ኢሎም፡፡”
ወኪል ማ.ል.ት ጨንፈር ዱባይን ሓው ጀግና ስውእ ተጋዳላይ ጃዕፈር ወሃብረቢ ኣይተ ዓብዱ ወሃብረቢ ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ ድማ “ነቲ ዝነበረ ቀንዲ ፀላኢና ተቓሊስና ኣውዲቕናዮ ኢና፣ ተሪፉና ዘሎ ዓብዪ ፀላኢና ድኽነት’ዩ፡፡ ነዚ ድማ ድንቁርና ብምጥፋእ ኢና ክንቃለሶ ዝግባእ ድሕሪ ምባል ህፃናት’ቲ ከባቢ ኣሰር ጀጋኑ ስውኣት ሰዒቦም ጠንኪሮም ክመሃሩ ብምትሕስሳብ እቲ ቤት ትምህርቲ ናብ ካልኣይ ብርኪ ከምዘሰጋግሩዎን ኣብ ነዊሕ እዋን ድማ ናብ ደረጃ ዩኒቨርስቲ ከምዝዕብዩዎን ገሊፆም፡፡”


ንማ.ል.ት ብምውካል ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማ.ል.ት ኣይተ መሓሪ ሓጎስ ድማ “ንሰናይ ተግባር ማ.ል.ት ጨንፈር ዱባይ ብምምስጋን፣ ማ.ል.ት ኣብ ትግራይ ዝርከባ ዳሳት ምስ ህዝባን ዝምልከቶም ኣካላትን ብምትሕብባር ናብ ሙሉእ ዘበናዊ ህንፃ መምሀሪ ክትቕይረን ፃዕሪ ከምተካይድ ብምግላፅ፣ ኣብ ስራሕቲ ማ.ል.ት ኩለ መዳይ ተሳትፎ ህዝቢ ክድልድል ፀዊዖም፡፡
ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ካብ ዝርከብ ቴስዓን ሽዱሽተን ሽሕ ህዝቢ እቲ ዕስራን ክልተን ሽሕ ተምሃራይ ምዃኑን 56% ተምሃራይ ኣብ ዳስ ከምዝመሃርን ተፈሊጡ’ሎ፡፡