Thursday, September 09, 2010    Register  •  Login
 
   
 
   
   
   
 
 
     
 
ብግዱስ ወናኒ ሃፍቲ ኣይተ ኣረጋዊ ሃይሉ ኣብ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ጣቢያ ሓንጎዳ ብልዕሊ 2.5 ሚልዮን ብር ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ፡፡

ዕለት 05 ጉንበት 2002 ዓ.ም ዝተመረቐ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣረጋዊ ሃይሉ ሸሞንተ መምሀሪ ክፍልታትን መቐመጢ ተምሃሮን ዘጠቓለለ መፅብዓ ቴሌቶን ማ.ል.ት’ዩ፡፡

ነቲ ቤት ትምህርቲ ብሓባር መሪቖም ዝኸፈትዎ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማ.ል.ት ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩ፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ኣይተ ነጋ በርሀን ኣይተ ኣረጋዊ ሃይሉን’ዮም፡፡
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ኣይተ ተወልደ “ ኩልሻዕ ኣብ ኣብያተ ትምህርትና ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ምቅላል ርኡይ ተራ ዝነበሮም ኣይተ ኣረጋዊ ሎምውን ካብ ጎንና ከይተፈለዩ ደረጅኡን ፅሬቱን ዝሓለወ ቤት ትምህርቲ ሰሪሖም ስለዝረከቡና ብስም ህዝብን ምምሕዳርን ነመስግን” ኢሎም፡፡
ፈፃሚ ዳይሬክተር ዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማልት ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩ’ውን “ንፃውዒት ቴሌቶን ማልት ህፁፅ ምላሽ ሂቦም ዓመት ኣብዘይመልእ ቤት ትምህርቲ ሃኒፆም የረክቡ ንዘለው ንኣይተ ኣረጋዊ ሃይሉ ብምንኣድ፣ ኣብ ቴሌቶን ማልት ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒፆም ንምርካብ ካብዝተመፃብዑ ልዕሊ ሰብዓ ትካላትን ሰብ ሃፍትን ዛጊድ እቶም ዕስራን ሸሞንተን ሰሪሖም ከምዘረከቡን እቶም ኣርባዓን ሓሙሽተን ድማ ህንፀቶም ኣብምዝዛም ከምዝርከቡን ብምዝኽኻር፣ ብተሳትፎ መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣርባዕተ ሚኢቲ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዳስ ናብ ህንፃ ምቕያረን ብምሕባር ማልት ምስ ህዝባ ኮይና ምልማዕ ከምትቕፅለሉ ገሊፆም፡፡”
ነቲ ቤት ትምህርቲ ሰሪሖም ንህዝቢ ዘረከቡ ኣይተ ኣረጋዊ ሃይሉ ብወገኖም ኣብዘስምዑዎ ዘረባ “ማልት ኣብዘካየደቶ ቴሌቶን ተመፃቢዐ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ምብቀዐይ ሓጎስይ ደረት የብሉን፣ ኩሉ፡፡ ዓደይን ህዝበይን ይፈቱ እየ ዝብል ወናኒ ሃፍቲ ድማ እጃሙ ከወፊ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እፅውዕ ድሕሪ ምባል፣ ንቐፃሊ ላይብረሪ፣ መንበሪ ገዛን መዘናግዒን መምህራን፣ ኮምፒተርን ዝኣመሳሉን ከምዘማልኡ ቃል ኣትዮም፡፡

መስከረም 2001 ዓ.ም ዝተኻየደ ሚሊኒየም ቴሌቶን ማልት ዕውት ምንባሩ ዝዝከር’ዩ፡፡

You must be a registered subscriber in order to view this Article.
To learn more about becoming a subscriber, please visit our Subscription Services page.

Written By: TDA PR
Date Posted: 5/22/2010
Number of Views: 234

Return
An error has occurred.
Error: Unable to load the Article Details page.