Saturday, February 04, 2012    Register  •  Login
 
   
 
   
   
   
 
 
     
 
ዓሰርተ ክልተ ትካላት ትእምት፣ ማ.ል.ት ንምጥንኻር ብስም ሰራሕተኛታተንን ብትካላዊ ኣባልነትን ቀፃልነት ዘለዎ ክፍሊት ኣባልነት ንምኽፋል ወሲነን፡፡

ኣብ ወርሒ መጋቢት 2002 ዓ.ም ካብ ዓለም ለኸ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ብዝወፈረ ጉጅለ ውዳበ ኣባላትን ወለንታውያን ብዝተገበረ ምልዕዓልን ምውዳብን መሰረት እየን እተን ትካላት ብስም ሰራሕተኛታተንን ብስመንን ቀፃልነት ዘለዎ ክፍሊት ኣባልነት ንምኽፋል ዝወሰና፡፡

ብመሰረት’ዚ ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ብስም’ቲ ፋብሪካ ኣብ ዓመት 30 ሽሕ ብር፣ 550 ሰራሕተኛታት’ቲ ፋብሪካ ድማ ኩሎም ሓደ ሚእታዊ ወርሓዊ መሃይኦም፣ ሸባ ፋብሪካ ቆርበት ብስም’ቲ ፋብሪካ ኣብ ዓመት 30 ሽሕ ብር፣ 483 ሰራሕተኛታት’ቲ ፋብሪካ’ውን ሓደ ሚእታዊ ወርሓዊ መሃይኦም፣
 
ትራንስ ኢትዮጵያ ብስም’ቲ ትካል ኣብ ዓመት 30 ሽሕ ብር፣ 1055 ሰራሕተኛታት ድማ ሓደ ሚእታዊ ወርሓዊ መሃይኦም፣ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ብስም’ቲ ትካል ኣብ ዓመት 30 ሽሕ ብር፣ 559 ሰራሕተኛታቱ ድማ ሓደ ሚእታዊ ወርሓዊ መሃይኦም፣
 
ጉና ስራሕቲ ንግዲ ብስም’ቲ ትካል ኣብ ዓመት 20 ሽሕ ብር፣ 155 ሰራሕተኛታቱ ሓደ ሚእታዊ ወርሓዊ መሃይኦም፣ ውቕሮ ጋብዮን ፋብሪካ ብስም’ቲ ፋብሪካ ኣብ ዓመት 5 ሽሕ ብር፣ 314 ሰራሕተኛታቱ ድማ ሓደ ሚእታዊ ወርሓዊ መሃይኦም፣
 
ፋብሪካ ፕላስቲክ ብሩህ ተስፋ ብስም’ቲ ፋብሪካ 15 ሽሕ ኣብ ዓመት፣ 83 ሰራሕተኛታቱ ሓደ ሚኢታዊ፣ 32 ሰራሕተኛታቱ’ውን ½% ወርሓዊ መሃይኦም፣ ፋብሪካ ቺፕውድ፣ ብስም’ቲ ፋብሪካ ኣብ ዓመት 15 ሽሕ ብር፣ 278 ሰራሕተኛታቱ ሓደ ሚእታዊ ወርሓዊ መሃይኦም፣
 
ኣልመዳ ፋብሪካ ጨርቃ ጨርቂ ብስም’ቲ ፋብሪካ ኣብ ዓመት 30 ሽሕ ብር፣ 3989 ሰራሕተኛታቱ ሓደ ሚእታዊ ወርሓዊ መሃይኦም ከምኡ’ውን 171 ሰራሕተኛታት ህይወት ሕርሻ መካናይዘሽን 406፣ ሰራሕተኛታት ሳባ እምነበረድን ሓደ ሚእታዊ ወርሓዊ መሃይኦም፣ 96 ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ስጋ ኣበርገለን ቲሹ ካልቸርን ሓደ ሚእታዊ፣ 22 ድማ ½% ወርሓዊ መሃይኦም ማ.ል.ት ንምጥንኻር ብቐፃልነት ከምዝኸፍሉ ምውሳኖም ተፈሊጡ’ሎ፡፡
 
ኣብቲ ማልት ንምጥንኻር ዓሊሙ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ትእምት ዝተኻየደ መድረኽ ዝተረኸቡ ዳይሬክተር ውዳበ ኣባላትን ወለንታውያንን ኣይተ ሃይለማርያም ሃፍቱ፣ ብፍላይ ሰራሕተኛታት ትካላት መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግን ሳባ እምነ በረድን ማ.ል.ት ካብ ትቐውም ጀሚሮም ሓደ ሚእታዊ ወርሓዊ መሃይኦም ክሳብ ሎሚ ብዘይምቁራፅ ብፔይሮል ይኸፍሉ ምህላዎም ብምዝኽኻር ብፍላይ ክላስተር ሓለፍትን ኣባላት ማኔጅመንትን ቀዲሞም ብምውሳን ኣብነት ምዃኖም ብምንኣድ ኩሉ ክፋል ሕ/ሰብ ኣሰሮም ክስዕብ ተላብዮም፡፡

    

You must be a registered subscriber in order to view this Article.
To learn more about becoming a subscriber, please visit our Subscription Services page.

Written By: TDA PR
Date Posted: 4/23/2010
Number of Views: 397

Return
An error has occurred.
Error: Unable to load the Article Details page.