ኣብቲ ምንባር እምነ ሰረት ዝተረኸቡ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ክፍሊ ትምህርቲ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣይተ ጎይተኦም ደሳለኝ ኣብዘስምዑዎ ዘረባ፡- “ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከባ 440 መምሀሪ ክፍልታት እተን 233 ዳስን ግድግዳን ምዃነን ብምሕባር ካብ መንጎአን ቤት ት/ቲ ሃይላይ ገብረስላሰ ዳስን ግድግዳን ዝበዝሓ ቤት ት/ቲ ምዃናን ነዚ ንምቕያር ማ.ል.ት ንሳሊኒ ኮንስትራክሽን ብምትሕብባር ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ብምኽኣላ፣ ንገባሪ ሰናይ ሳሊኒ ኮንስትራክሽንን ንማ.ል.ትን ዘለኒ ክብርን ናእዳን ልዑል እዩ” ኢሎም፡፡
ንማልት ወኪሎም ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ኣይተ ታደሰ ነጋሽ’ውን “ሳሊኒ ኮንስትራክሽን ፃውዒት ማ.ል.ት ተቐቢሉ ንዝገበሮ ሰናይ ተግባር ብስም ተረባሕቲ ህፃናትን ማ.ል.ትን ብምምስጋን፣ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ንሰለጤንን ፅፈትን እቲ ቤት ትምህርቲ ብዘለዎ ክእለትን ዓቕምን ክረባረብን ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ከሐይልን ኣተሓሳሲቦም፡፡”
ማልት ኣብ ወረዳ ቓፍታ ሑመራ ጥራሕ ዛጊድ ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ምህናፃ ተፈሊጡ’ሎ፡፡