Thursday, September 09, 2010    Register  •  Login
 
   
 
   
   
   
 
 
     
 
ኣባላትን ደገፍትን ማ.ል.ት ጨንፈር ዓፋር ብሓደ ሚልዮን ብር ወፃኢ ንዘሃንፅዎ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ እምነሰረት ተቐሚጡ፡፡

ዕለት 12 ማዝያ 2002 ዓ.ም ኣብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ሰቲት ከተማ ሑመራ ዝተቐመጠ እምነሰረት ህንፀት ቤት ትምህርቲ ኣብ ቴሌቶን ማ.ል.ት ቃል ዝተኣተወን ውዳበ ማ.ል.ት ጨንፈር ዓፋር ምስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ብምትሕብባር ዘህንፅዎን’ዩ፡፡

 ኣብ ከተማ ሑመራ ተረኺቦም ህንፀት ቤት ትምህርቲ ዘበስር እምነ ሰረት ዘቐመጡ ሰለስተ መሪሕነት ኣካላት ማ.ል.ት ጨንፈር ዓፋር ምክትል ኣመሓዳሪ ወረዳ ሰቲትን ተወካሊ ዓለም ለኸ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ትን ብሓባር’ዮም፡፡
ኣቦ መንበር ውዳበ ማ.ል.ት ጨንፈር ዓፋር ኣይተ ኣስገዶም ስዩም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ “ህዝብና ብቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ደርቢ ተደራራቢ መፅቀጥቲ ከይመሃርን ከይመራመርን ተዓጊቱ ምፅንሑ ብምዝኽኻር፣ ሳላ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ዲሞክራስን ዓዱ ከልምዕን ክሃንፅን ክኢሉ’ሎ ድሕሪ ምባል ውዳበ ማ.ል.ት ጨንፈር ዓፋር ንህንፀት’ቲ ቤት ትምህርቲ ዛጊድ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ብር ኣታዊ ምግባሩን ዝተረፈ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ብር ድማ ክሳብ ወርሒ ለካቲት 2003 ዓ.ም ጠቕሊሉ ከምዝእቱን ብቐፃልነት ሓገዝ ከምዝገብሩን ብምግላፅ ወለዲ ደቆም ኣብ ምምሃርን ነታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምክንኻንን ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ተላብዮም፡፡
ምክትል ኣመሓዳርን ሓላፊ ክፍሊ ትምህርትን ወረዳ ሰቲት ኣይተ ኣንገሶም ግርማይ’ውን “ፍልፍል ሞዴል ተምሃሮና ኣብ ዝኾነት ቤት ትምህርቲ ሰቲት ዝርከቡ ዳሳት ናብ ህንፃ ንምቕያርን ፀገማት ተምሃሮና ንምፍታሕን ነዊሕ መገዲ ኣቋሪፅኩም ኣብ መንጎና ብምርካብኩም ብስም ህዝብን ምምሕዳርን የመስግን ምስበሉ፣ ንሕና’ውን ሕድርኹም ከየዕበርና ሕብረተሰብና ኣተሓባቢርና ተኣምር ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም፡፡
ንዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ብምውካል ኣብቲ ስነ ስርዓት እምነ ሰረት ዝተረኸቡ ኣይተ ታደሰ ነጋሽ ብወገኖም ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ ድማ “ማ.ል.ት ጎና ጎኒ መንግስቲ ትግራይ ንምልማዕ ዓሊማ ካብ ትጣየሽ ጀሚሩ ቡዙሓት ስራሕቲ ልምዓት ምቅልጣፉን ብምሕባር ብፍላይ ኣብ ዞባ ምዕራብ ብርክት ዝበሉ ፕሮጀክትታት ምትእትታዋን እዚ ናይሎምዓንቲ ድማ ናቱ መቐፀልታ ምዃኑን ንቕድሚት’ውን ምልማዓ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉን ብምግላፅ ኩሉ ክፋል ሕ/ሰብ ኣብ ጎኒ ማ.ል.ት ተሰሊፉ ዓዱ ከልምዕ ፀዊዖም፡፡
You must be a registered subscriber in order to view this Article.
To learn more about becoming a subscriber, please visit our Subscription Services page.

Written By: TDA PR
Date Posted: 4/22/2010
Number of Views: 236

Return
An error has occurred.
Error: Unable to load the Article Details page.