ኣብ ከባቢ ስፍራ ኣሞራ ቁሸት ዓዲቦ ጎልጃ ተረኺቦም ነታ ቤት ትምህርቲ መሪቖም ዝኸፈትዋ ተወካሊ መምርሒ ምክልኻል ገበን ፌደራል ፖሊስን ኣብ መምርሒ ምክልኻል ገበን ናይ ፈጥኖ ደራሽ ዳይሬክቶሬት ምክትል ዳይረክተር ሓይሊ ሰብን ኦንዶክትርኔሽንን ዋና ኢንስፔክተር ገዛሀኝ ገብረ ህይወትን ተወካሊ ማልት ኣይተ ፀሃየ ፍቓዱን ‘ዬም።
ዋና ኢንስፔክተር ገዛሀኝ ገ/ህይወት ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ” ንኣባላት መምርሒ ምክልኻል ገበን ፌደራል ፖሊስ ብምውካል ኣብ ቅድሚ መርኣያ ቓልሲ ዝኾነ ህዝቢ ጠጠው ኢላ ሓጎሰይ ንምግላፅ ብምኽኣለይ ብስመይን ብስም ኣባላትን መሪሕነትን መምርሒ ምክልኻል ገበን ፌደራል ፖሊስ ከመስግን ይፎቱ ድሕሪ ምባል፣ ኣባላትና ከምቲ ካልእ ህዝብና ኣካል’ቲ ጉዕዞ ልምዓት ብምዃን ጎኒ ንጎኒ ገበን ምክልኻል ፃውዒት ልምዓት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምቕባል ኩሎም ኣባላት ብሄር ብሄረሰብ ሃገርና ካብ መሃይኦም እናተነከየ ቤት ትምህርቲ ሃኒፂም ኣብ ፅባሕ 11 ለካቲት ንዕሸላት ተምሃሮ ኣብ ዳስ ካብ ምምሃር ንምግልጋል ምብቅዖም ፍሉይ ከምዝገብሮን፣ እዚ ታሪካዊ ኣጋጣሚ’ዚ ኣብዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ዝመሃሩ ህፃናት ፍልጠቶም ብምምዕባል ካልእ ሓዱሽ ታሪክ ክሰርሑ ሰረት ዘንብር’ዩ” ኢሎም።
ምክትል ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣላማጣ ኣይተ ሃፍቲ ኪሮስ ብወገኖም ኣብዘስምዑዎ ዘረባ “ኣባላት መምርሒ ምክልኻል ገበን ፌደራል ፖሊስ ሰላም ሕብረተሰብና ምስ ምሕላው ጎኒ ንጎኒ ድኽነትን ድሕረትን ካብ ሃገርና ንምቅባፅ ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስትን ተሰሊፎም ካብታ ዝርካቦም ነክዮም ንዝገበሩዎ ሰናይ ተግባር ብምንኣድ ንቕድሚት’ውን እቲ ሰናይ ተግባሮም ከምዝቕፅልሉ ዘለዎም እምነት ገሊፆም”።
ንዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ወኪሎም ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ኣይተ ፀሃየ ፍቓዱ ‘ውን “ማልት ሕብረተሰብ ኣተሓባቢራ ኣብ ልምዓት ትግራይ እጃማ ትፍፅም ከምዘላ ብምሕባር፣ንቕድሚት ዝሓሸ ምንቅስቓስ ንኽትገብር ኩሉ ኣባል ማልት ክኸውን ብምትሕስሳብ፣ ንሰናይን ወገናውን ተግባር ኩሎም ኣባላት መምርሒ ምክልኻል ገበን ፌደራል ፖሊስ ዘለዎም ልዑል ክብርን ናእዳን ገሊፆም።”
ቀደማይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ዓዲቦጎልጃ ስፍራ ኣሞራ ብኣስታት 750 ሽሕ ብር ዝተሃነፀትን ክልተ ዓበይቲ ህንፃታትን ሽቓቕ ደ/ተባዕትዬን ደቂ ኣንስትዬን ዘካተተት ምዃናን ካብ ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን ማልት ዝበፅሓና ሓበሬታ የረድእ።