Thursday, September 09, 2010    Register  •  Login
 
   
 
   
   
   
 
 
     
 
ፍረ ፃውዒት ቴሌቶን ማ.ል.ት ዝኾነት ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብኢንጅነር ኣወጣሀኝ ኪሮስ ሙሉእ ወፃኢ ተሃኒፃ ንምረቓ በቒዓ

እታ ዕለት 07 ጥሪ 2002 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ገጠር ዓድዋ ከባቢ ኣልመዳ ተመሪቓ ንሕ/ሰብ እቲ ከባቢ ዝተረከበት ቤት ትምህርቲ ብልዕሊ 700 ሺሕ ብር ዝተሃነፀትን ኣርባዕተ መምሀሪ ክፍልታት፣ ቤት ፅሕፈት፣ ላይብረሪን ሽቓቕን ዘማልአት ዘበናዊ ቤት ትምህርቲ እያ።

ሕብረተሰብን ተምሃሮን እቲ ከባቢ ንገባሪሰናይ ወናኒ ኣኪር ኮንስትራክሽን ኢንጅነር ኣወጣሀኝ ኪሮስን ንማልትን ዘለዎም ክብርን ናእዳን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ገሊፆም’ዬም።

ኣብ ስነስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ኢንጅነር ኣወጣሀኝ ኪሮስ “በቲ ስሪሓዬ ዘለኹ ቤት ት/ቲ ከየብቃዕኹ፣ ንቕድሚት ምምሕዳር ተወሳኺ መሬት እንተሂቡኒ ከስፋሕፍሖ እየ ጎደሎታት ድማ ከማልእ’የ” ኢሎም።

 

 

 

ከንቲባ ከተማ ዓድዋ ኣይተ ኣርኣያ መርእድ ብወገኖም ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ “ፅሬትን ሽፋንን ት/ቲ ንምርግጋፅ ህዝቢ፣ ፈተውቲ ልምዓትን መንግስትን ተዋዲዶም ይሰርሑ ብምህላዎም ዘይነዓቕ ለውጢታት ኣብ ምምዝጋብ ከምዝርከቡ ብምሕባር ብኢንጅነር ኣወጣሀኝ ኪሮስ ተሃኒፁ ንርከቦ ዘለና ልዑል ህያብ ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብና ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ዘለዎ ትካል ት/ቲ ብምዃኑ ንወናኒ ኣኪር ኮንስትራክሽን ንኢንጅነር ኣወጣሀኝ ኪሮስ እንተላይ ንናይ ቅድሚ ሀዚ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝግመት ልምዓታዊ ኣበርክቶኦም ብስም ተረባሕቲ ህፃናትን ምምሕዳሮምን ድሕሪ ምምስጋን፣ ብመሰረት ሕቶ እቶም በዓል ሃፍቲ ቤት ት/ቲ ከስፋሕፍሕሉ ዝኽእሉ ናይ 58 ሽሕ ትርብዒት ሜትር ሳይት ፕላን ንኢንጅነር ኣወጣሀኝ ኪሮስ ኣረኪቦም።

ዋና ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩ ኣብዘስምዑዎ ዘረባ ድማ “ማልት ኣብ ዕስራ ዓመት ጉዕዞኣ ኣብ ቡዙሕ ዘፈር ልምዓት ተዋፊራ ልዑል ኣበርክቶ ምግባራን፣ ምልማዓ ንምሕያል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝወለዓቶ ቴሌቶን ብዘተኣኻኸበቶ ልዕሊ 146 ሚልዬን ብር ኣብ ፅርየት ት/ቲ ኣድሂባ ትገብሮ ብዘላ ምንቅስቓስ ዛጊድ 3,500 መምሀሪ ክፍልታት ዘጠቓለሉ ከባቢ 400 ኣብያተ ት/ቲ ካብ ዳስ ናብ ህንፃ ምቕያራ ድሕሪ ምሕባር፣ ንገባሪ ሰናይ ኢንጅነር ኣወጣሀኝ ኪሮስ ርኡይ ምንቅስቓስ ልምዓት ብምንኣድ፣ ኩለን ኣብ ትግራይና ዝርከባ መምሀሪ ዳሳት ናብ ህንፃ ንምቕያር ምንቅስቓስ ይግበር ምህላው ብምግላፅ፣ ህዝቢ ኣብ ማልት ተወዲቡ እጃሙ ከወፊ ፀዊዖም።”

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእኸል ኣይተ ተወልደ ገብረ ፃድቃን “መንግስቲ ካብ ሃገርና ኢትዬጵያን ክልልና ትግራይን ድኽነት ንምቕራፍ ይገብር ንዘሎ ምንቅስቓስ ዘሳልጥ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ተሳትፎ ኩሉ ሕ/ሰብን ልምዓታዊ ሰብ ሃፍትን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝተረድኡ ኢንጅነር ኣወጣሀኝ ኪሮስ ንዝገበሩዎ ልምዓታዊ ተሳትፎ ብምንኣድ ህዝቢ በቶም ግዱስ ወገን ተሃኒፁ ዝተረከቦ ቤት ት/ቲ ክከናኸኖ ሓደራ ኢሎም”

You must be a registered subscriber in order to view this Article.
To learn more about becoming a subscriber, please visit our Subscription Services page.

Written By: TDA PR
Date Posted: 1/20/2010
Number of Views: 437

Return
An error has occurred.
Error: Unable to load the Article Details page.