Thursday, September 09, 2010    Register  •  Login
 
   
 
   
   
   
 
 
     
 
መበል 20 ዓመት ልደት ማልት ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ

ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ ሻሸመኔ ኣብ ትግራይ ንዝህነፅ ሓደ 1 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝውዕል እቶት ንምትእኽኻብ ብመሰረት ዝሓዞ ትልሚ ነሓሰ 26, 2001 ዓ.ም ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ማጄስቲክ ሪፍት ቫሊ እንግዶት ድራር ተሳሊጡ።

ከንቲባ ኮሚቴ ምምሕዳር ከተማ ሻሸመኔ ፣ ዋና ስራሕ መካየዲን ሰራሕተኛታት ቤት ማዘጋጃ ከተማ ሻሸመኔ ፍሉጣት ሰባትን ሰብ ሃብትን ሓዊሱ ልዕሊ 150 ዕዱማት ዝተረኸቡሉ እንግዶት ድራር ብዝለዓለ ድምቀት ተኻይዱ እዩ።
 
ከንቲባ ከተማ ሻሸመኔ ኣይተ ፈይሳ ረጋሳ ብዛዕባ ዕላማ እቲ እንግዶት ድራር ንዕዱማት ተሳተፍቲ ዝገለፁ እንትኾን ኣቦ መንበር ማልት ጨንፈር ደቡብ ኢ/ያ ኣይተ ተኸስተ ሓጎስ ድማ ብዛዕባ ሕሉፍ ልምዓታዊ ፍፃመታትን ቐፃሊ ጉዕዞ ማልትን ዝርዝር መብርሂ ሂቦም እዮም።
 
ኣብዚ መድረኽ እቶት ምትእኽኻብ ኮሚቴ ከንቲባን ሰራሕተኛታት ቤት ማዘጋጃ ከተማ ሻሸመኔ ሕድ ሕዶም 20 ሽሕ ብር ብድምሩ 40 ሽሕ ብር ዘወፈዩ እንትኾን ኩሉ በቢ ዓቕሙ ብምውፋይ ቐፂሉ ኣስታት 150 ሽሕ ብር ብጥረን ብቼክን ንምሃብ ቃል ብምእታው እቲ እንግዶት ድራር ተዛዚሙ እዩ።
 
ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ሻሸመኔ ብሽሞሞ ሓደ 1 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብ ትግራይ ንምህናፅ ፕሮጀክት ሓንፂፆም እናተንቀሳቐሱ እዮም።
 
ቅድም ክብል ኣባላትን ደገፍትን ማልት ጨንፈር ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ሓደ ብሎክ መምሃሪ ክፍሊ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃኒፆም እዮም ።
 
You must be a registered subscriber in order to view this Article.
To learn more about becoming a subscriber, please visit our Subscription Services page.

Written By: TDA PR
Date Posted: 9/15/2009
Number of Views: 513

Return
An error has occurred.
Error: Unable to load the Article Details page.