Thursday, September 09, 2010    Register  •  Login
 
   
 
   
   
   
 
 
     
 
መበል 20 ዓመት ልደት ማልት ኣብ ኣዲስ አበባ ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ

24 ነሓሰ, 2001 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ አበባ ኣዳራሽ ሚለኒየም ልዕሊ 20 ሽሕ ሰብ ኣብ ዝተረኸበሉ መበል 20 ዓመት ልደት ማልት ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ።

ኣብዚ በዓል ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ሃገርና ፣ ሰብ ሃብቲ ፣ ኣባላትን ደገፍትን ማልት ዝተረኸቡ እንትኾን ዝተፈላለዩ ዜማታት ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ዝደርፉ ደረፍቲ ከምኡ’ውን ሙዚቀኛታት ሰርከስ ትግራይ ካብ 7፡00 ሰዓት ድሕሪ ሰዓት ጀሚሩ ክሳብ ምሸት 4፡00 ሰዓት ኣብቲ ኣዳራሽ ንዝተረኸበ ህዝቢ እናዘናግዑ ኣምሽዮም እዮም።
 
ኣብቲ በዓል ኣብ መንጎ ህፃናት ፣ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ውድድር ትልሂት ዝተኻየደ እንትኾን ነቲ በዓል ፍሉይ ድምቀት ሂቡዎ እዩ። ኣብቲ ውድድር ሳዕስዒት ንዝተዓወቱ ተወዳደርቲ ከካብ ምድቦም
1 ንዝወፁ ንሕድ ሕዶም 1,500.00 ብር
2 ንዝወፁ ንሕድ ሕዶም 1,000.00 ብር
3 ንዝወፁ ንሕድ ሕዶም   500.00 ብር ሽልማት ተበርኪቱሎም እዩ።
 
ካብ ጨናፍር ጀሚሩ ንዝተኻየዱ ውድድራት ስፖንሰር ዝገበሩ ኣባል ቦርድን ትካላዊ ኣባል ማልትን ኣይተ ገ/እግዚኣብሄር እምባየ ዝተብሃሉ ግዱስ ትግራዋይ እዮም።
 
ሓደ ሓደ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ኣብ ዝሃቡዎ ሪኢቶ ከምዚ ዓይነት በዓል በቢዓመቱ ብምኽባር ኣባላትን ደገፍትን ነዚ እናዘከሩ ማልት ካብ ህሊንኦም ከይትፍለ ኣብ ዕብየት ባህሊ ትግራይ’ውን ኣስተዋፅኦ ስለዝገብርን ኣባላት እታ ማሕበር ንምትእኽኻብን ኣብ ልምዓት ዓዶም ንምዝታይ ይጠቅም እዩ ኢሎም።
 
ኣብዚ በዓል ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኖም መልእኽቲ ዘሕለፉ ኣባል ቦርድ ማልት ዶ/ር ሃይለ ሚካኤል ኣበራ እዮም ክብል ካብ ኮሚዩኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ማልት ዝበፅሐና ዜና ይሕብር።
                                                       
 
 
You must be a registered subscriber in order to view this Article.
To learn more about becoming a subscriber, please visit our Subscription Services page.

Written By: TDA PR
Date Posted: 9/10/2009
Number of Views: 308

Return
An error has occurred.
Error: Unable to load the Article Details page.