ወርሒ ነሓሰ ወርሒ ልምዓት ትግራይ ኮይኑ ክበዓል ቦርድ ማልት ብዝወሰኖ መሰረት ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ነሓሰ ኣብ ኣውሮፓ ፍራንክፈርት ዝጀመረ በዓል ካብ ሸሞንተ ክሳብ ትሽዓተ ነሓሰ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከምኡ’ውን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ብምቕፃል ተጋሩ ፣ ፈተውቲ ልምዓት ትግራይን ኤርትራውያንን ዘሳተፈ ድሙቕ በዓል ላዕለዎት መሪሕነት ክልልናን ኣባላት ቦርድ ማልትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ሰፊሕ ዘተን መብርህን ብምሃብ ተኸቢሩ እዩ።
ካብ 15-24 ነሓሰ 2001 ዓ.ም ኣብ ርእሰ ከተማ ክልልና ኣብ መቐለ ዝተሳለጠ በዓል ድማ ኣብ መንጎ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ሸውዓተ ክፍላተ ከተማን ሰሜን እዝን ብዝተኻየደ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ጀሚሩ ካብ 16-19 ነሓሰ ዝዘለቐ ውዑይን ድሙቕን ፌስቲቫል ቤተሰብ ብምስዓብ ምስ ባህላዊ በዓል ኣሸንዳ ተጎዛጊዙ ምክያዱ ፍሉይ ድምቀት ዝነበሮን መሀደስን ኔሩ።

ዕለት 22ን 23 ነሓሰ 2001 ዓ.ም ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታትን ምምሕዳር ክልል ትግራይን ብምትሕብባር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝተኻየደ ሲምፖዚየም ልምዓት ብርክት ዝበሉ ምሁራትን ክኢላታትን ዘሳተፈን ዝተፈላለየ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዝቐረቡሉን ኣብ ልምዓት ትግራይና ልዑል ኣበርክቶ ክገብር ትፅቢት ዝግበረሉን እዩ።


መዛዘሚ በዓል መበል 20 ዓመት ልደት ማልት ዝነበረ ውሩያት ኣትሌታት ሃገርና ዝኾኑ ጀግና ኣትሌት ደራርቱ ቱሉን ገ/ሄር ገ/ማርያምን ካልኦት ኢንተርናሽናል ጎየይትን ህዝቢ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ዘካተተን ኣስታት 10 ኪ.ሜ ዝሸፈነን ‘’ዓብይ ጉያ ንልምዓት’’ ኮይኑ እታ ጀግናን ውሩይትን ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ኣምባሳደር ማልት ኮይና ንምስራሕ ምስ ማልት ዝተፈራረመትሉ ምንባሩ እዩ።

ብፍላይ ኣብቲ መዛዘሚ ስነ ስርዓት ማልት ካብ ሸፊልድ ፉትቦል ፌደሬሽን (Boots for Africa project) ዝረኸበቶ ግምቱ ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ብር ዝኸውን ሓሙሽተ ሚእቲ ታኬታ ንቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክልልና ዘረከበት እንትኾን ቢጂኣይ ኢትዮጵያ ድማ ክልተ ሚእቲ ሓደሽቲ ኣዲዳስ ዝዓይነተን ኩዕሶ እግሪ ብሓገዝ ነቲ ቢሮ ኣረከቡ እዩ።
ስነ ስርዓት ኣከባብራ መበል 20 ዓመት ልደት ማልት ኣብ ጨናፍር ክልላት ሃገርናን ዞባታትናን ክሳብ 30 መስከረም 2002 ዓ.ም ከምዝዘልቕ ተፈሊጡ ኣሎ።
በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንድምቀት መበል 20 ዓመት ልደት ማልት ኩለ መዳይ ኣስተዋፅኦ ንዝገበርኩም ትካላትን ውልቀሰባትን ማልት ናእዳኣ ትገልፅ።