ብመሰረት’ዚ 53 ደ/ተባዕትዮን 20 ደቂ ኣንስትዮን ተምሃሮ ሕድ ሕዶም 4.0 ነጥቢ (ኣርባዕተ ነጥቢ)
1. ሸውዓተ ደቂ ተባዕትዮን ዓሰርተ ሓደ ደቂ ኣንስትዮን ሕድ ሕዶም 3.85 (ሰለስተ ነጥቢ ሸሞንተ ሓሙሽተ )
2. ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮን ሕድ ሕዶም 3.71 (ሰለስተ ነጥቢ ሸውዓተ ሓደ)
3. ሓደ ተባዕታይን ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮን ሕድ ሕዶም 3.57 (ሰለስተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሸውዓተ)
4. ሓደ ተባዕታይን ትሸዓተ ደቂ ኣንስትዮን ሕድ ሕዶም ካብ 3.0-3.42 (ካብ ሰለስተ ክሳብ ሰለስተ ነጥቢ ኣርባዕተ ክልተ)
5. ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ሕድ ሕደን ካብ 2.5-2.85 (ካብ ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ክሳብ ክልተ ነጥቢ ሸሞንተ ሓሙሽተ) ነጥቢ ብምርካብ ናብ መሰናድኦ ትምህርቲ ክሓልፉ ክኢሎም’ዮም፡፡
ካብ ሓደ ሚኢትን ዓሰርተ ሽዱሸተን ኣጠቓላሊ በዝሒ ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ኣርባዕተ ነጥቢ ካብዘምፅኡ ሰብዓን ሰለስተን ተምሃሮ እቶም 39 (ሰላሳን ትሸዓተን) ኩሉ ዓይነት ትምህርቲ “A” ዘምፅኡ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ፡፡
ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝቖመን ኣብነት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ፡፡