ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት ፌስቲቫል ቤተሰብ 2002 ዝተረኸቡ ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ መሓሪ ሓጎስ “ማልት ካብ ትምስረት ዕስራን ሓደን ዓመት ምግባራን ምስ ህዝባ ሓቢራ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ልምዓት ምክያዳን ብምሕባር፣ ኣብ 2001 ዓ.ም ብዘካየደቶ ቴሌቶን ጥራሕ’ኳ ከባቢ ኣርባዕተ ሚእቲ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዳስ ናብ ህንፃ ምልዋጣ ከም ሓደ ኣብነት ገሊፆም፡፡ ኣተሓሒዞም ከኣ መንግስቲ ሓንፂፁዎ ዘሎ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርመሽንን ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ትግራይ ተግባራዊ ክኸውን ማ.ል.ት ሓዱሽ ኣንፈት ኣሰራርሓ ሓንፂፃን ህዝባ ኣተሓባቢራን ግቡእ ተርኣ ከምትፍፅም ከረጋግፅ ይፎቱ ኢሎም፡፡
ኣብ ኣደራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ስነስርዓት “ፌስቲቫል ቤተሰብ 2002” ተረኺቦም ዘረባ ዘስዕምዑ ኣማኻርን ተወካልን ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት ትግራይ ኣይተ ኣብርሃ ኪሮስ ብወገኖም “ባህልናን ቋንቋናን ጠመተ ጌርካ ምስራሕ ንልምዓትናን ቁጠባ ሃገርናን ልዑል ኣበርክቶ ከምዝገብር ብምግላፅ፣ እቲ ብኤጀንሲ ባህልን ቱሪዝምን ማሕበር ልምዓት ትግራይን ዝተዳለወ “በዓል ኣሸንዳ ሻደይን “ፌስቲቫል ቤተሰብን” ሓድነት ፍቕርን ባህልን ብሄር ብሄረ ሰባትን ዘደልድል ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ኣብቲ ብሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጎበዛይ ወልደኣረጋይ ተመሪቑ ዝተኸፈተ “ፌስቲቫል ቤተሰብ 2002” ን “በዓል ኣሸንዳ ሻደይን” ዝተፈላለዩ ባህላውን ዘበናውን ደርፍታት፣ መግብን መስተን፣ ዝቐረቡሉን ውድድር ዝተኻየደሉ’ዩ ኔሩ፡፡
ኣብ ከተማ መቐለ ፊት ንፊት ሸባ ኮሌጅ ዝተኻየደ ድሙቕ “ፌስቲቫል ቤተሰብን” “በዓል ኣሸንዳ ሻደይን” ንካልኣይ ዓመት ዝተሳለጠን ህዝቢ ባህሉ ዘስተማቐረሉን ስድርኡ ሒዙ ዝተሃደሰሉን ምንባሩ ተፈሊጡ’ሎ፡፡