ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩ ሽዑ ኣብዘስምዕዎ ዘረባ “ማልት ኣብ ትምህርቲ ጠሚታ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ኣብ ርእሲ ምስርሓ፣ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ፅሩይ ዝስተ ማይ ክህልወን ኣበርቲዓ ብምንቅስቓስ፣ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥራሕ’ኳ ኣብ ትሕቲ CSPP (Community School Partnership Project) ካብ ዝሓቖፈተን ሓደ ሚእትን ሓምሳን ኣብያተ ት/ቲ እተን ቴስዓ ፅሩይ ማይ ክህልወን ጌራ ከምዘላን እተን ዝተረፋ ድማ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ከምተማልአለንን ገሊፆም፡፡ ኣተሓሒዞም ከዓ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምፍታሕን ብስንኪ ዘይፅሩይ ማይ ዝመፁ ሕማማት ንምክልኻልን ዓሊማ ትንቀሳቐስ ንዘላ ማ.ል.ት ንምሕጋዝ ክልተ ጎዳጉዲ ማይ ንምኹዓት ምስ ማ.ል.ት ንዝተፈራረሙ ዋና ስራሕ መካየዲ ሳናርን፣ ስራሕ መካየዲ Gills ኳዕቲ ጎዳጉዲ ማይ ኣይተ ፍፁም ኣስገዶም ሰብ ሃፍቲ ብምትሕብባር ይገብሩዎ ንዘለው ሰናይ ተግባር ብስም ማልትን ተረባሕቲ ሕ/ሰብን ኣመስጊኖም፡፡
ዋና ስራሕ መካየዲ ሳናር ኳዕቲ ማይ ሚስተር ኣናዝ ኩማር ቻዳ ብወገኖም ኣብዘስምዑዎ ዘረባ “ትካሎም ንትግራይ ሓዊሱ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ምስራሕ ካብ ዝጅምር ከባቢ ሓሙሸተ ዓመታት ከምዝኾኖን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን ማ.ል.ት ትግራይ ክተልምዕ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ከምዘስተማቕሩዎን ብምንኣድ ምስ ማ.ል.ት ሓቢርካ ምስራሕ ከምዝሐጎሶምን ብምሕባር ሐዚ ዝገብርዎ ዘለው ሓገዝ ናይ መጀመርታ’ምበር መወዳእታ ዘይምዃኑ ሓቢሮም፡፡
እተን ብኣስታት ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ብር ዝግመት ወፃኢ ዝኹዓታ ጎዳጉዲ ማይ፣ ኣብ ወረዳ ገጠር ዓድዋ ኣብ ትርከብ ኣልመዳ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርትን፣ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣብ ትርከብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሓዱሽ ዓዲን እንትኾና ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከምዝኳዓታ ካብ ኮሚኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ማ.ል.ት ዝበፅሐና ሓበሬታ የረድእ፡፡