ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ወናኒ ውልቀ ሃፍቲ ኣይተ ስዒድ መሓመድ ብርሃን “ንኣናእሽቶይ ኣሕዋተይ ቤት ትምህርቲ ምህናፀይ፣ ምስቲ መተካእታ ዘይብላ ክብርቲ ሂወቶም ከፊሎም ነዚ ሐዚ እነስተማቕሮ ዘለና ሰላምን ዲሞክራስን ዘረጋገፁልና ኣሕዋትና ፈፂሙ ዘይነፃፀር’ዩ፡፡ እዚ ቤት ትምህርቲ ማዕሪጉ ንክዛዘም ንዝገብረኩም ኩልኹምን ነዚ ሰናይ ተግባር ዘበገሰት ማሕበር ልምዓት ትግራይን ልዑል ምስጋናይ የቕርብ፡፡ እዚ ቤት ትምህርቲ ብናይ ኩልና ፃዕሪ ተዛዚሙ ተመሪቑ’ሎ፡፡ ድሕሪ ሀዚ ደቅኹም ዝመሃሩሉን ንብረትኩምን ስለዝኾነ ብኣግባቡ ክትጥቀሙሉን ክትክናኸኑዎን እላቦ” ኢሎም፡፡
ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ላዕለዋይ ኣድያቦ ኣይተ ፀጋይ ፍትዊ ድማ “ልምዓት ሓንቲ ሃገር ዝረጋግፅ፣ ኣእምሮ ሰብ እንትለምዕ’ዩ፡፡ እዚ ድማ ብትምህርቲ’ዩ ዝመፅእ፣ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተው ኣይተ ስዒድ መሓመድ ብርሃን ብኣተሓባበርነት ማ.ል.ት ሐዚ ሰሪሖም የረክቡና ንዘለው ቤት ትምህርትን ቅድም ክብል ፀገማት መሰረተ ልምዓት ወረዳና ንምፍታሕ ንዝገበርዎ ዘይተቐጠበ ፃዕርን ብስም ህዝብን ምምሕዳርን የመስግን ድሕሪ ምባል፣ ካልኦት ወነንቲ ውልቀ ሃፍት’ውን ኣስሮም ክስዕቡ ፀዊፆም፡፡”
ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምውካል ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ፈፃሚ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩ ብወገኖም ኣብ ዝስምዑዎ መደረ፡- “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብቴሌቶና ኣቢላ ንዘቕረበቶ ፃውዒት ልምዓት ተግባራዊ ምላሽ ሂቦም ቤት ትምህርቲ ንዝሃነፁ ኣይተ ስዒድ መሓመድ ብርሃን ዘለኒ ክብርን ናእዳን ልዑል’ዩ፣ ንቐፃሊ ኩላትና ሓቢርና ኣብ ልምዓት ዓድና በቢክእለትና ከምንነጥፍ ተግባር ኣይተ ስዒድ ሓደ መርኣያ’ዩ “ክብሉ ገሊፆም፡፡
ኣይተ ስዒድ መሓመድ ብርሃን ኣብታ ዕለት ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ብስም ወላዲት እነኦም ላይብረሪን ኮምፒዩተር ማእኸልን ዘጠቓለለ ማእኸል መዘናግዒ መናእሰይ ንምህናፅ ዘኽእሎም እምነ ሰረት ኣንቢሮም፡፡