Saturday, February 04, 2012    Register  •  Login
 
   
 
   
   
   
 
 
     
 
ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ትግራይን ወናኒ ሃፍቲ ኣይተ ፍትዊ ወልዳይን ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣቢያ መዝብር ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ፡፡

ዕለት 26 ሰነ 2002 ዓ.ም ዝተመረቐ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰለስተ ዓበይቲ ህንፃታት ዘጠቓለለ መፅብዓ ቴሌቶን ማ.ል.ት ኮይኑ ብማሕበር ልምዓት ትግራይን ግዱስ ወናኒ ሃፍቲ ኣይተ ፍትዊ ወልዳይን ምትሕብባር ብልዕሊ ክልተ ሚልዮን ብር ዝተሃነፀ’ዩ፡፡

ኣብቲ ዕለት ምረቓ ዝተረኸቡን ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተዋዲዶም ነቲ ቤት ትምህርቲ ዘህነፁን ኣይተ ፍትዊ ወልዳይ ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ “ማ.ል.ት ብዘቕረበትልና ፃውዒት ምስኣ ተመሓዚና ቤት ትምህርቲ ሃኒፅና ክነመርቕ ምብቓዕናን፣ ማልት ኣብ ርእሲ ገንዘብ ምውፅኣ ንዝገበረቶ ኩለመዳይ ሓገዝ ዘለኒ ክብርን ናእዳን ክገልፀላ ይፎቱ ድሕሪ ምባል፣ ቤት ትምህርቲ ምህናፅ ንወለዶ ዝሓልፍ ቅርሲ ስለዝኾነ በታ ዘላትና ዓቕሚ ዝገበርናዮ ኣስተዋፅኦ ኣብ ትምህርቲ ምውዓሉ ኣዚዩ የሐብነና፡፡ እዚ ድማ መጀመሪያና’በር መወዳእታ ኣይኮነን ንቐፃሊውን ምስ መንግስትናን ኣሕዋትናን ተሓባቢርና ብዝተኸኣለና ዓቕሚ ዘሎ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ጎኒ ህዝብና ጠጠው ክንብል ኢና” ክብሉ ሓቢሮም፡፡
ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣሕፈሮም ኣይተ ፍስሃ በርሀ ብወገኖም ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ ድማ፣- “ግዱስ ሃርበኛ ልምዓት ኣይተ ፍትዊ ወልዳይ ምስ ማ.ል.ት ብምትሕብባር ዘህነፁዎ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፣ ተምሃሮ እዚ ከባቢ ልዕሊ ሰላሳ ኪሎ ሜትር ተጓዒዞም ካብ ምምሃርን ብስንኪ ራሕቒ ካብ ምቁራፅን ኣድሒኑ ተሳትፎ ትምህርቲ ዘዕቢ ብምዃኑን እንኳዕ ደስ በለና ድሕሪ ምባል፣ እቶም ግዱስ በዓል ሃፍቲ ሰሪሐሙዎ ንዘለው ዘኹርዕ ስራሕ ብስም ምምሕዳርን ህዝብን ከመስግኖም ይፎቱ ፣ ማ.ል.ት’ውን ሰብ ሃፍቲ ብምትእኽኻብ ከባቢኦምን ህዝቦምን ክሕግዙ ትገብሮ ንዘላ ፃዕሪ ብምምስጋን ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉን ካልኦት ሰብ ሃፍቲ ድማ ነዚ ዘሎ ምችው ሃዋሁ ሃገርናን ከባቢናን ተረዲእኹም ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ ክትፅዕሩ ፃውዒተይ የቕርብ ኢሎም፡፡”
ፈፃሚ ዳይሬክተር ዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩ ኣብዘስምዑዎ ዘረባ “ህዝብና ፍረ መሪር ቃልሱ የስተማቕር ምህላው እዚ ናይ ሎሚዓንቲ ምረቓን ታሕጓስን ሓደ መርኣያ ምዃኑ ብምሕባርን፣ ንገባሪ ሰናይ ኣይተ ፍትዊ ወልዳይ ምስ በዓልቲ ቤቶም ብስም ማ.ል.ት ብምንኣድን ስራሕቲ ማ.ል.ት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ብምዃኑ ዛጊድ ማ.ል.ት ብዘካየደቶ ቴሌቶን ብምትሕብባር ሰብ ሃፍትን ትካላትን ሰብዓን ሓሙሽተን፣ ብህዝቢ ድማ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ብኣጠቓላሊ ከባቢ ኣርባዕተ ሚእቲ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዳስ ናብ ህንፃ ከምተቐየራን ኩለን ተሪፈናና ዘለዋ ዳሳት ናብ ዘበናዊ ህንፃ ክቕየራን ብፍላይ ኣብ ፅሬት ትምህርቲ ጠሚታ ህዝባ ኣተሓባቢራን ጠንኪራን ከምትሰርሕ ቃል ኣትዮም፡፡”
ኣብ ህንፀት’ቲ ቤት ትምህርቲ ኩለ መዳይ ተሳትፎ ነበርቲ ልዑል ምንባሩ ተፈሊጡ’ሎ፡፡
You must be a registered subscriber in order to view this Article.
To learn more about becoming a subscriber, please visit our Subscription Services page.

Written By: TDA PR
Date Posted: 7/12/2010
Number of Views: 434

Return
An error has occurred.
Error: Unable to load the Article Details page.