Saturday, February 04, 2012    Register  •  Login
 
   
 
   
   
   
 
 
     
 
ማ.ል.ት ምስ “ጊልስ” ኳዕቲ ማእኸለዎትን ዓሞቕትን ጎዳጉዲ ማይ ብምትሕብባር ኣብ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ቃላሚኖ ዘኹዐተቶ ጉድጓድ ማይ ተመሪቑ።

ዕለት 22 ሰነ 2002 ዓ.ም ኣብ ቐፅሪ’ቲ ቤት ት/ቲ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምረቓ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልልና ዕዱማት ኣጋይሽን ተምሃሮ’ታ ቤት ትምህርትን ተረኺቦም’ዬም።

ነቲ ጉድጓድ ማይ መሪቖም ዝኸፈትዎ ርእስ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክቡር ኣይተ ፀጋይ በርሀን ምክትል መካየዲ ስራሕ “ጊልስ” ኳዕቲ ዓሞቕትን ማእኸለዎትን ጎዳጉዲ ማይ ሓ.ዝ.ው.ማ ኣይተ ሃይለ ሓጎስን እዬም።

ኣካያዲ ስራሕ “ጊልስ” ኣይተ ፍፁም ኣስገዶም ሽዑ ኣብዘስምዑዎ ዘረባ “ትካሎም ኣብ ትግራይ ምስ ቢሮ ማይ መኣድንን ኢነርጅን፣ ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ ማይን ካልኦትን ተሓባቢሩ ፅፉፍ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ከምዘሎ፣ ብፍላይ ኣብዚ ዓመት’ዚ ንዘበናዊ መስኖ ኣብ ዝተኻየዱ ኳዕቲ ጉዳጉዲ ብፅፈትን ብእዋኑን ስሪሑ ግቡኡ ከምዝፈፀመን፣ ብፍላይ ከኣ ሀዚ ኣብ ፅባሕ ዓወት ራብዓይ ሃገራዊ መረፃ ኣብቶም ብሓፈሻ ንህዝቢ ሃገርና ብፍላይ ካኣ ንክልልና ልዑል ተስፋ ንዘለዎም ተረከብቲ ሃገር ንዝኾኑ ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቃላሚኖ ብስም ማ.ል.ት ተጠቀምቲ ፅሩይ ዝስተ ማይ ምግባርና ልዑል ታሕጓስ ይስመዐኒ ድሕሪ ምባል ኣብ ጎኒ ማ.ል.ት ኮይኖም ሓገዞም ከምዝቕፅልሉ ሓቢሮም።”

 

ኣብ ክልልና ካብ ዝርከባ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ እተን ስብዓን ሓሙሽተን ሚእታዊ ፅሩይ ዝስተ ማይ ዘይብለን እየን ዝበሉ ፈፃሚ ዳይሬክተር ዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማልት ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወት ማልት ኣብ ውሽጢ እዘን ክልተ ዓመት ምስ USAID ብምትሕብባር ኣብዘሃነፀተን ልዕሊ ቴስዓ ኣብያተ ትምህርቲ ማይ ክረኽባ ከምዝገበረትን ብምሕባር ንቕድሚት’ውን ትካላት ኳዕቲ ማይን ሕብረተሰብን ኣተሓባቢራ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ፅሩይ መስተ ማይ ክህልወን ኣበርቲዓ ከምትንቀሳቐስ ቃል ብምእታው ንትካላት ኳዕቲ ጎዳጉዲ ማይ ጊልስ፣ ናይልን ኬይ ኤስ ኣርን ብስም ማልትን ተረባሕቲ ሕብረተሰብን ዘለዎም ምስጋና ገሊፆም፡፡

 

ክቡር ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ፀጋይ በርሀ ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ ድማ “ ፀገም መስተ ማይ ቃላሚኖ ተፈቲሑ ንምምራቕ ብምብቃዕና ታሕጓሰይ ደረት የብሉን፣ መሓዛ ልምዓት ትግራይ ዝኾነ ትካል ኳዕቲ ጎዳጉዲ ማይ ጊልስ ኣብ ኣጠቓላሊ ስራሕቲ ኳዕቲ ማይ ልዑል ኣስተዋፅኦ ይገብር ምህላውን ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከምዝግባእን ብምዝኽኻር ነዚ ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ልዑል ተስፋ ዘንብረሉ ቤት ት/ቲ መንግስቲ ክንዲዝከኣሎ ከምዘጠናኽሮ ሓቢሮም፡፡

 

ነቶም ትካላት ኳዕቲ ማይ ዝተዳለወ ሽልማት ወረቐት ምስክር ዝሃቡ ኣባል ቦርድ ማ.ል.ትን ም/ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲ መቐለን ዶ/ር ክንደያ ገ/ህይወት’ውን ”መርኣያ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይና ኣብዝኾነ ቤት ትምህርቲ ሰናይ ተግባር ብምፍፃምኩም ክትሕበኑ ይግባእ” ኢሎም፡፡

 

ብጊልስ፣ ናይልን ኬይ ኤስ ኣርን ኣብ ሰለኽለኸ፣ ኣኽሱም፣ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባን፣ ጋንታ ኣፈሹምን ቃላሚኖን ዝተኹዓቱ ጎዳጉዲ ማይ ልዕሊ ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ብር ከምዝግመቱ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

 

You must be a registered subscriber in order to view this Article.
To learn more about becoming a subscriber, please visit our Subscription Services page.

Written By: TDA PR
Date Posted: 7/1/2010
Number of Views: 453

Return
An error has occurred.
Error: Unable to load the Article Details page.