Saturday, February 04, 2012    Register  •  Login
 
   
 
   
   
   
 
 
     
 
ሳንሻይን ኮንስትራክሽን ሓደ ካልኣይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ንምህናፅ እምነሰረት ኣንቢሩ

ትካል ገባሪ ሰናይ ሳንሻይን ኮንስትራክሽን ኣብ ከተማ ኣኽሱምን ከባቢኣን ንዝርከቡ 300 ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናትን ካብ ፅጉማት ቤተሰብ ዝተረኸቡ ተምሃሮን ግልጋሎት ዝውዕል ካልኣይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ብልዕሊ 6 ሚልዬን ብር ንምህናፅ እምነሰረት ኣንቢሩ።

ማ.ል.ት ካብ ዳስ ናብ ህንፃ መምሃሪ ክፍሊ ብዝብል ፃውዒት ዓሚ ኣካይዳቶ ናይ ዝነበረ ቴሌቶን ፍረ ዝኾነ ሓደ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ቃል ኣትዩ ዝነበረ ሳንሻይን ኮንስትራክሽን ሓ.ዝተ.ው.ማሕበር ዝኣተዎ ቃል ካብ 600,000 ናብ 6,000,000 ብር መፅብዑኡ ክብ ብምባል ዝሃንፆ እዩ። 

ትካል ገባሪ ሰናይ ሳንሻይን ኣብዛ ሃገር ንዝርከቡ 1000 ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናትን ካብ ፅጉማት ቤተሰብ ዝተረኸቡ ተምሃሮን ግልጋሎት ዝውዕሉ 3 ኣብያተ ት/ቲ ኣብ ዝተመረፁ ከተማታት ሰለስተ ክልል ንምስራሕ እናተንቀሳቀሰ ይርከብ።  ብመሰረት እዚ ክልል ትግራይ ካብተን በቲ ትካል ገባሪ ሰናይ ዝተሓረያ ክልላት ኦሮሚያን ደቡብን ሓንቲ ኮይና ሓደ 2 ብርኪ  ቤት ትምህርቲ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ንምህናፅ ዕለት 6 ጥሪ እምነሰረት ተነቢሩሎ።

 

ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር ክልልና ትግራይ ኣይተ ፀጋይ በርሀ ከምዝበልዎ “መሰረት ታሪክ ኢትዬጵያውያን ኣብ ዝኾነት ከተማ ኣኽሱም ዝተቐመጠ እምነሰረት እቶም በዓል ሃፍትን ትካሎምን ኢትዬጵያዊነቶም ዘመስከሩሉን ንኻልኦት ኢትዬጵያውያን ሰብ ሃፍቲ’ውን ዓብዩ ት/ቲ ዘሕልፍን’ዩ ኢሎም”።

ወናኒ ሳንሻይን ኮንስትራክሽን ሓ.ዝተ.ው.ማሕበርን መስራቲ ትካል ገባሪ ሰናይ ሳንሻይን ኮንስትራክሽን ኣይተ ሳሙኤል ታፈሰ ብወገኖም መንግስቲ ህዝብን ውልቀ ትካላትን ተሓባቢርና ዝተዋደደ ምንቅስቓስ እንተደኣጌርና ኣብ ዝቕፅልሉ 5 ዓመታት ድኽነት ብምቕናስ ልመና ሙሉእ ብሙሉእ ምጥፋእ ከምንኽእል እምነተይ ፅኑዕ’ዩ ኢሎም። ትካሎም ድኽነት ንምጥፋእ ንዝግበሩ ፃውዒታት ተግባራዊ ምላሽ እናሃበ ህዝባዊ ወገናውነት ብቐፃልነት ከምዘረጋግፅ ቃል ኣትዬም ‘ዮም ኣይተ ሳሙኤል።

ኣምባሳደር ተወልደ “ካብ ዳስ ናብ ክላስ ዝብል ፃውዒት ሰብሃፍቲ’ዛ ሃገርን ክልል ትግራይን ፈተውቲ ልምዓትናን ብዝገበሩዎ ዝተዋደደ ምንቕስቓስ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝነበሩ ልዕሊ 800 መምሃሪ ክፍልታት ዳስ እቶም ከባቢ 400 ናብ ህንፃ ምስግጋሮም ናይዚ ዕውት ምንቅስቓስ መርኣያ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ንፃውዒት ማልት ቅኑዕ መልሲ ሂቦም ቃል ካብ ዝኣተውዎ ንላዕሊ ንምስራሕ ይሸባሸቡ ንዘለው ኣይተ ሳሙኤል ናእድኦም ብምግላፅ ካልኦት ሰብ ሃፍቲ’ውን ኣሰሮም ክስዕቡ ተላብዮም።
እዚ ቤት ት/ቲ ህንፀቱ እንትዛዘም ን300 ተምሃሮ ተቐቢሉ ንሕድሕዶም 150 ብር ወርሓዊ ደገፍ እናገበረ ከምዘምህሮም ካብቲ ስነስርዓት ምንባር እምነሰረት ንምፍላጥ ተኻኢሉ ‘ሎ።
  
 
You must be a registered subscriber in order to view this Article.
To learn more about becoming a subscriber, please visit our Subscription Services page.

Written By: TDA PR
Date Posted: 1/20/2010
Number of Views: 914

Return
An error has occurred.
Error: Unable to load the Article Details page.